ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማመኾኒ ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤት ፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፣ ኤሌክትሮኒክስ፥ ናይ ግብርናን ኮንትራክሽንን መሳርሒ ኣቑሑት ዝኸዉን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

በዚ መሰረት

01) ናይ ኣቑሑት ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 1500 ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 09/06/2018ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 11፡30 ኣብ ስራሕ ስዓት ኾይኑ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ምዃኑ ንሕብር፡፡

02) ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ናይ 2018ዓ/ም ዘሐደስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

03 ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል።

04) VAT ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን፡ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ / ካሊእ ደኩመንትን ኦርጂናልን 2ተ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ 3ተ ፓስታ ዓሽጉ ከቕርብ ዝኽእል።

05) ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናይቲ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከቕርብ ዝኽእል።

06) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መክበሪ ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ኒኒ ሕድሕዶም 15,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል።☞

07) ጨረታ ሳዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3' ማዕልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡ መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ሲፒኦ /po/ካብ ናይቲ ውዕሊ ጠቕላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ኣብ ዕደጋ መኽበሪ ጨረታ የትሕዝ።ኣብ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ዝተሓተቶ መኸበሪ ዉዕሊ ዘየትሐዘ እንተኾይኑ መኸበሪ ጨረታ ይዉረስ።

08) ጨረታ መሸነፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ10ተ ዝተዉሃቦ ማዓልቲ ኦርጅናል ንብረት ከቕርብ ዝኽእል።

09) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀኒሓሉ እዋን ካብ ዕለት 09/06/2018ዓ/ም ክሳብ 24/06/2018 ዓ/ም ንተኸታታሊ 15 ማዕልታት ምዃኑ ፈልጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

10) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 24/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት

11) ጨረታ ሰነድ ዝኸፈተሉ ግዜ ዕለት 24/06/2018ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ይኸዉን።

12) ጨረታ ምስ ተኸፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ምምሕያሽ ምግባር ኣይክእሉን/።

13)እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ/ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት እንተዘይቀሪቦም ድማ ብመምርሒ ጨረታ መሰረት እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

14) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ አንተተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

ምስ ሰላም

ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከይዲ ስራሕ ጠቕላላ አገልግሎትን ፋይናንስ ምምሕዳርን ንዝበለፀ ሓበሬታ 0926719395 ወይ 0914871145