ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለኩምን ኣብዚ በጀት ዓመት ዝሐደስክምዎ ወይ ድማ ግብሪ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን : ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎን :ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእልን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር ዲክለሪሽን 2018 ዓም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3 ንሐደ ሰነድ ዘይምለስ ናይ እንስሳ መድሓኒት 300 ቅርሺ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቀረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ 2/6/2018 ዓም ክስብ 17/6/2018 ዓም ዋናን ቅዳሕን በበይን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክኣል

4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት ክስብ 17/6/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዛይሃልዎም እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት ይግምገምን

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዝከዉን ናይ ሕድሕድ ጨረታ መከብሪ ጨረታ ዝከዉን 10000 ብር ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእለን ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስፒኦ ከትሕዝ አለዎ

6 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎ ስርዝ ድልዝ እንትኮይኑ ተቀባልነት የብሉን

7 ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ተወዳደደርቲ ኣብ ዉሽጠ ሰለሰተ መዓልቲ ብፅሑፍ ምስቀረበልኩም ቅሬታ እንዘይኣቅሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ዘይንቅበል ምኮና ንሕብር

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረከበ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዛይኣሲሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን

9 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ከርከብ ይግባእ ናይ ህነፃ መሳርሒ ግና ናብ ኣብርሃ ኣፅባሃ ጥዕና ኪላ ወሲዱ ከረክብ ይግባእ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932326414 / 0914165013