1 ብናይ ህንፃ ተኮናታራይ BC ወይ ብናይ ጠቅላላ ተኮናታራይነት GC ድረጃ 5 ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ናይ 2018 ዓም ዝተደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ቲን ናምበር ቫት ምዝጋበ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ቫት ዲክላሪሽን ከቅርብ ዝክእል
2 ተወዳደርቲ ኣብ ዝሐለፈ 7 ዓመት ካብ ታሕሳስ 2011 ዓም ክሳብ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ህንፃ ስራሕ ዝርከብ ሐደ ፕሮጀክት ኮንትራክት 10 ሚልዩን ብር ዝሰርሐ ወይ ካብ ሕድሕድ ፕሮጀክት ወይ ከዓ 6 ሚልዩን ብር ልዕሊኡን ብኣግባባቡ ዝሀነፀ ምካኑ ግዝያዊ ወይ ናይ መጨረሻ ርክክብ ምስናይ ክፍሊት ሰነድ ወይ ከዓ ፓይመንት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል
3 ተወዳዳርይ ነቲ ፕሮጀክት ከቀፅል ዝክእል ምካኑ እንተናአሰ ናይ ሰለሰተ ሚልዩን ብር ኣብ ባንኪ ሒሳቡ ዘለዎ ምካኑ ዘረጋገፅ ሕጋዊ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ወይ ናይ ባንኪ ስተትመንት ወይድማ ናይ ልቃሕ መማረፂ እንተሃልዩ ናይቲ ዝተገለፀ ገንዘብ መጠን ብልቃሕ ዝረከብ ምካኑ ካብቲ ዘለቀሖ ባነኪ ዝተዉሃቦ ደብዳቤ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
4 መክበሪ ፕረፎርማ ጨረታ 200000 ብር ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ወሕስና ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉቤት ፅሕፈት ህንፀትን መጎዓዝያን ከቅርብ ዝክእል
5 ተወዳደርቲ ነቶም ስቦም ዘተዘርዘሩ ሓይሊ ሰብ ከመላእ ዝክእል ምካኑ ናይ ሕጋዊነት ዘለዎ ናይ ቁፃር ከረጋግፅ ዝክእል ሞያ ብቅዓት ማለት ፕረፎሽናል ሰነድ ከቅርብ ይግባእ
6 ዝርዝር በዓል ሞያ ፕሮጀክት ማናጀር በዝሒ ሐደ ደርጀ ትምህርት ስቪል ምህንድስና ማናጅመንት ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ ማሰተር ክልተ ዓመት ዲግሪ ኣርባዕተ ዓመት በዓል ሞያ ሳይት ኢንጅኒር በዝሒ ሐደ ደርጀ ትምህርት ስቪል ምህንድስና ኮንስትራክሽን ማናጅመንት ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ ማሰተር ዐ ዓመት ዓመት ዲግሪ ክልተ ዓመት ንዲፕሎማ ኣርባዕተ ዓመት በዓል ሞያ ፎርማን በዝሒ ሐደ ደርጀ ትምህርት ስቪል ምህንድስና ኮንስትራክሽን ማናጅመንት ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ ዲግሪ 0 ዓመት ንዲፕሎማ 2 ዓመት
7 መተሓሳሳቢ ዝቁፀር በዓል ሞያ ሕጋዊ ትካል ማለት ፍትሒ ተቀባልነት ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ይግባእ
8 ተወዳዳራይ ነዞም ስቦም ዝተዘርዘሩ ማሽነሪታት ናይ ባዕሉ እንተኮይና መረጋገፂ ሌብሬን ዝተሐደደሰ ንግዲ ፍቃድን ድሕር ተካሪዩ ዘምፅእ ኮይኑ ሕጋዊ ዉዕሊ ሰነድ ዝተደገፈ ከቅርብ ይገባእ ዳምፕ ትራክ በዝሒ ሐደ ፒካኣፕ መኪና በዝሒ ሐደ
9 ተወዳደርቲ ነቶም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ማሽነሪታት ናይ ባዕሉ እንተኮይነን መረጋፂ ቅብሊት እንድሕር ተካሪዩ ዘምፅእ ወ ሕጋዊ ዉዕሊ ከቅርብ ይግባእ ሚክሲር በዝሒ ሐደ ቫይቭሬተር በዝሒ ሐደ
10 ሰዓራይ ዝከዉን ተወዳዳሪ ኩሉም ዝተሐተቱ ረቆሒታት አማሊኡ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ይከዉን
11 ሰዓራይ ተወዳዳይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 ዉዕሊ ብምእሳር ዝተዉሃቦ ዲዛይንን እስፐስፊኬሽንን መሰረት ንዝተዉሃቦ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 120 ተከታታሊ መዓልቲታት ሰሪሑ ከረክብ ይግባእ
12 ተወዳዳሪ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ዉሕስና ወይድማ ኣንኮንድሽናል ባንክ ጋራንቲ ዘትሕዝ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ
13 ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ መሉእ ሰነድ ዋጋ ዝሐዘ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ኩሎም ዝተሐተቱ መለክዒ ዝሐዘ መረዳእታ ኦርጀናል ክልተ ኮፒ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጉ ኦርጅናለንንኮፒን ኣብ ልዕሊ ኣናሽተይ ሕድሕድ ፖስታታት ብማርከር ብዝረአ ፅሑፍ ብምፅሓፍ ማህተም አብ ፖስታ ክዓርፍ ብምግባር ደግም ኩሎም ፖስታታት ኣናሽተይ ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ኣእትዩም ብምዕሻግ እቲ እሹግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወደድርሉ ፕሮጀክት ሽም ናይ ኮንትራክተር ሽም ስልክን አድራሻን ኣብ ልዕል እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ፅሑፍ ብምፅሓፍ ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 32 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክእትዉ አለዎ
14 ኩሎም ዝተሐተቱ መለክዒ ዝሐዘ ኦርጅናል መረዳእታታት ብፖስታ ብምዕሻግ ካሊእ ዝተሐቱ ረቆሒታት ክተቅርቡ እንዳሐበርና እቲ ዘቅረብክም ኮፒ መረዳእታ ሽዑ ንሽዑ ብምግንዛብ ተመላሲ ይግበር
15 ተወዳደድርቲ ኣብቲ ፕረፎርማ ሰነድ ዝተሐተቱ ስራሕ ዝርዝር ዋጋ ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ፕረፎርማ ደኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅድመ ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይዛብዑ ከምቲ ክሽይጥ እንተሎ ዝነበሮ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
16 ኩሎም ተወዳደድርቲ ሰነድ ፕረፎርማ ካብ ዕለት 29/5/2018 ዓም ጀሚሩ ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ህንፅት ምምሕዳር መጎዓዝያን ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕህቲ ህንፃ ቁፅሪ 32 ክተወስዱ ትክእሉ
17 አዚ ዋጋ ፐረፎርማ ካብ ዝተከፈተ ዕለት ጀሚሩ ንተከታተልቲ 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ
18 ሰነድ ፕረፎርማ ዕለት 29/5/2018 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 5/6/2018 ዓም ሰዓት 11፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ ኢኩም
19 ሰነድ ፕረፎርማ ሳንዱቅ 6/6/2018 ዓም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላተም ብዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተአጎጎልን
20 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914375211 0942750062 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል