ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕ ማይ ትግራይ

ጨረታ ቁፅሪ OB02/2018

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ሕጋዊ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ሎት ቁፅሪዝርዝር
ሎት 1ዝተፈላለዩ ናይ ሓፂን መፂን (ማዕፆን መስኮትን) ስራሕቲ ጅጅቐ መስተ ማይ
ሎት 2ዝተፈላለዩ ናይ ሓፂን መፂን (ማዕፆን መስኮትን) ስራሕቲ ስምረት መስተ ማይ
ሎት 3ዝተፈላለዩ ናይ ሓፂን መፂን (ማዕፆን መስኮትን) ስራሕቲ ፀይቐመ መስተ ማይ
ሎት 4Afridav Hand pump with all accessories
ሎት 5ቤንቶናይት

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒታት

• ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ፣ ናይ ወርሒ

ህዳር 2018ዓ/ም ቫት ሪፓርት ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ (ቲን) መቅረባይ ሰርቲፊኬት ኮፒ ከተሓሕዝ ዝኽእል

• ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ንናይ ሓፂን መፂን ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ንሕድ ሕድ ሎት ብር 20,000 (ዒስራ ሽሕ)፤ ሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንክ ጋራንቲ ብዝተኣሸገ ፖስታ ክቐርብ ኣለዎ።

• ን Afriday Hand pump with all accessories ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ብር 200,000 (ክልተ ሚኢቲ ሽሕ) ሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንክ ጋራንቲ ብዝተኣሸገ ፖስታ ክቐርብ ኣለዎ።

• ንቤንቶናይት ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ብር 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንክ ጋራንቲ ብዝተኣሸገ ፖስታ ክቐርብ ኣለዎ።

• እቲ ናይቲ ጨረታ ውድድር ብሎት ወይድማ ብድምር ዋጋ እዩ

• ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ 10% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ካብ ዝሰዓሮ ውዕሊ መኽበሪ ከትሕዝ ኣለዎ።

▪ ተጫረቲ መቐለ ከተማ ቀበሌ 07 መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ጥቃ ኣብ ዝርከብ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ብምቕራብ ብር 500 ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምውሳድ ይኽእል፣

• ትካልና ኣብ ጨረታ ዝተገለፀ መጠን ከም ኣድላይነቱ ክሳብ 25% ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰል ኣለዎ።

▪ ተጫረቲ ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ክልተ ፓስታ ነን በይኑ ኦርጂናልን ኮፒን ተባሂሉ ተዓሺጉ ክቐርብ ኣለዎ።

▪ ናይ ጨረታ ሳጥን ካብ 27/05/2018 ዓ.ም ክሳብ 09/06/2018 ዓ.ም _ ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ ዕለት 09/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 እቲ ጨረታ ይኽፈት።

▪ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ዋላ ተዘይተረኸቡ ናይ መወዳደሪ ረቋሒ እስካብ ዘማልኡ እቲ ጨረታ ይኽፈት።

▪ ሰዓራይ እቶም ዝሰዓሮም ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣብ ኤስ ኦ ኤስን ኣብ ሓሚዳን ኣብ ዝርከብ ናይ ትካልና ንብረት መዐቀቢ ከቅርብ ኣለዎ።

▪ ድሕሪ እቲ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ከምኡውን ዓርሶም ካብ ጨረታ ምግላልን ኣይከኣልን።

• ጨረታ ከዛብዕ ዝፍትን ተጫራታይ (ተወዳዳራይ) ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር፣ ንቐፃሊ ኣብ ዕደጋታት ኢንተርፕራይዝ ንኸይሳተፍ ይግበር፤ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ይውረስ።

▪ ተጫረቲ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ቅጥዒ ስም ፣ፊርማ፣ኣድራሻን ስልክ ቁፅሪ ክፀሓፎ ኣለዎ።

▪ ናይዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 90 መዓልቲ ይኸውን።

• ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

▪ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0342404674 ምድዋል ይከኣል