ምልክታ ጨረታ
ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ንትካልና ግልጋሎት ዘውዕል ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ተጫረቲ
1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ኣብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩም ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ(ቲን )ዘለኩምን ፤ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ካርድ ዘለኩምን፤ናይ ቫት ሰርትፍኬት ዘለኩምን፤ ናይ ወርሓዊ ዲክላሬሽን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ/ም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ ንሓደ ሰነድ ዘይምለስ ብር 500(ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ) ብምኽፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ደጋፊ ከይዲ ሰራሕ ትልሚ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምውሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 12/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 27/05/2018 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ወንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታው ይከኣል።
3. ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 27/05/2018 ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሳዓት 8፡30 ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት ተዘይሃለው እውን ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ዝተረኸበ ፖስታ ይኽፈትን ይግምገምን።
4. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ሞተር ሳይክል መኸበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 20000(ዒስራ ሽሕ ብር ብCPO ከትሕዙ ኣለዎም።
5. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፌርማን በዓል ዋና እንተዘይሃሊይዎን ስርዥ ድልዝ እንተኾይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎን።
6. ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓረ ይኹን ዘይሰዓሩ ተወዳደርቲ ኣብ 3 መዓልቲ ወሽጢ ብፅሑፍ ምስ ቀረበልኩም ቅሬታኹም እንተዘይኣቕሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ቅሬታ ዘይንቕበል ምዃና ንሕብር።
7. ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ወዕሊ እነተዘይኣሲሩ ዘተሐዞ መኸበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።
8. ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣበርሃ ወኣዕበወሃ ከረክብ ይግባእ።
9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።
10. ኣብ እቲ ትሕት ኢሉ ዘሎ ሰደቓ መብርሂ ኣብ ዝብል ዓይነት ሞተር ሳይክል ክምላእ ኣለዎ።
ከ/ስ/ት/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳርን ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ንተወሳኺ ሓበሬታ
ስ/ቁ ሞባይል 0915512081/0914428592/0986897574
ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣብርሃ ወኣፅብሃ
ናይ ሞተር ሳይክል ዕድጊት ዋጋ መምልኢ 2018
| ተ/ቁ | ዓይነት ንብረት | መግለፂ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ሞተር ሳይክል ቦክሰር | 150 C.C ኦርጂናል 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 01 |
መተሓሳሰቢ
1. ዘተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቕረባይነትን መለለይ ካርዲ ዘለኩም።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ(ቲን ናምበር)ዘለኩም።
3. ኣብቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ብሉን እንተሃልይዎ ድማ ፌርማ ናይ በዓል ዋና ክህልዎ ይግባእ።
4. ዘሸነፈ ተጫራቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ትካልና ኣታዊ ዝገብር ምዃኑ ነፍልጥ።
5. ንብረት እንርከበሉ ተጨረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ካብ ዝተነገረሉ ጀሚሩ 10' መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ይኸውን
6. ልዕል ክብል ዝተጠቐሰ ንብረት 1” ደረጃ ኦርጂናል ክኾን ይግባእ።
7. እዚ ልዕል ክብል ዝተሓበረ ጨረታ ማለት ዋጋ መሰረት ከቕርብ ዘይከኣለ ተወዳዳራይ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ 1/1000 ኣብ መዓልቲ መቕፃዕቲ ኣታዊ ዝገብር ምዃኑ ንሕብር።
8. ካብ ዝተቐመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ኣማራፂ መቕማጥን ምስትኽኻልን ኣይከኣልን።
9. ዘተሐዝክምዎ ናይ ውዕሊ መኸበሪ CPO ንብረት ካብ ዘረከብኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ንብረት
ትኽክለኛነቱ ንምርግጋፅ ን15' መዓልቲ ዘይምለስ ምዃኑ።
10. ኣብዚ ከይዲ እዚ ንብረት ትኽክለኛ ኦርጂናል እንተዘይኮይኑ ወይ ድማ ዝተበላሽወ እንተኮይኑ ዘቕረበ መሽነፋይ ክቕይር ይግደድ ነዚ እንተዘይፈፂሙ ዘትሐዞ መኸበሪ ውዕሊ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።
11. እቲ ዝምላእ ቫት ተመዝጋቢ ክኸውን ይግባእ።
12. ኣብ እዋን ጨረታ ተጫረቲ ዘርእይዎ ዝኾነይኹን ዘይሕጋውን ናይ ምጭበርባር ተግባርን ትካልና እንተረጋጊፁ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝወስድ ምዃኑ ነተሓሳስብ።
13. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲታት እዩ።