ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ

ከ/ስ/ት/በ/ዕ/ፋ/ 352 /018 

ዕለት 06/05 /2018ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ናይ ከተምኡ ከተማ እንትጮ መዋቅራዊ ፕላን (Structural Plan) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ /ተጫረቲ/ ክትወዳደሩ ንዕድም።

በዚ መሰረት ናይ ተጫረቲ መምርሒ

1. ተጫረቲ ናይ እትወዳደርሉ በቲ ዘርፊ/ብምድላዉ ከተማ ፕላን / ዝተሓደሰ ናይ 2018 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቅረባይነት፡ ኮፒ ኣታሓሒዙ ከቕርብ ዝኸእል

2. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምበር ዘለዎ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል፤

3. ናይ 2018ዓ/ም ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ደብተር ዘለዎ ኮፒ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኸእል፤

4. ቫት ዝተመዝገበን ናይ ቫት ሰርትፍኬት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

5. ናይ ቫት ሪፖርት እንተነኣሰ ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ/ም ወይ ድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሓደ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን/ሪፖርት/ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል፣

6. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኾነ ፌርማን ሕጋዊ ማሕተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክግበሮ ኣለዎ፤

7. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቐ ትኸክለኛ ነፀላ ዋጋን ጥቅላላ ዋጋን ከቅምጡ ኣለዎም ።

8. ተጫረቲ አብቲ ጨረታ ሰነድ ብጨረታ ክምልኡ ዝቐረቡ ቅጥዕታት ብሙሉኦም ብትኸክል መሊኦም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከጓደሉ ከቕርቡ ኣለዎም፤

9. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ብር ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዚ ክፍሊት ቸክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ /CPO/ብር 150,000.00 / ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ሽሕ / ብር ከትሕዝ ዝኽእል፣

10. ጨረታ ካብ ዕለት 06/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/05/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ከ/ስ/ት/በ/ን/ዕ/ምም/ር ፋይናንስን ኣብ ቁፅሪ 09 ብምምፃእ ሕድ ሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) እንዳከፈሉ ክወስዱ ከምዝኽእሉ ንሕብር።

11. ጨረታ ዕለት 21/05/2018 ዓ/ም ሰዓት8፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብግልፂ ይኸፈት እንተዘይ ሃለዉ እውን ኣብ ውሽጢ ጨረታ ሳንዱቕ ዝተረኸበ ፖስታ ብስርዓት ተኸፊቱ ይንበብ።

12. ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ቴክኒካል ዶኩሜንት ሓደ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ኣብ ክልተ ፖስታ በበይኑ፡ ፋይናንሻል ዶኩሜንት ድማ ሓደ ኦርጂናልን ክልተ ኮፒን ኣብ ሰለስተ ፖስታ በበይኑ ተዓሽጉ : ኣዳልዩ ከቕርብ ዝኽእል ምኻኑ።

13. ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ንበይኑ ኮፒ ንበይኑ ምስ ዓሸግኩም ንኹሎም ሰነዳት ድማ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ናይ ትካሎም ዝገልፅ ፊርማን ማህተምን ኣድራሻን ብምግባር ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

14. ዊዝ ሆልድ ታክስ ምኸፋል ግዴታ ምኻኑ ምርዳእ የድሊ።

15. እቲ ተጫራታይ ሳዓራይ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ (5) ናይ ስራሕ ማዓልቲ ውዕል ክኣስር ዝኽእል ፤

16. ሰዓራይ ጨረታ ውዕል ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እንተ በዝሐ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓደ (11) ወርሒ ሙሉእ ስራሕቱ ወዲኡ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ከርክብ ኣለዎ። ኣብቲ ዝተጠቐሰ በዝሒ ኣዋርሕ ኣጠቃሊሉ እንተዘይ ኣረኪቡ ጨረታ ሳዓራይ 0.001% ወይ 1/1000 ብር ብማዓልቲ ተቐፂዑ ኣታዊ ይገብር።

17. ሳዓራይ ውዕል ክኣስር እንከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕል መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከቅርብ ዝኽእል፣

18. ከይዲ ጨረታ ብዘይ ኣገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምውጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

19. ኣብ ምልክታ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ክቀርቡ ዝግብኦም መረዳእታ ዝተሓተተ ዘይኣቅረበ ተጨራቲ ካብ ውድድር ጨረታ ውድቂ ዝግበር ምኻኑ ክፈልጥ ኣለዎ፤

20. ኣብ ምልክታ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ግልፂ ዘይኮነሎም ሓሳብ እንተሃልዩ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ 5ተ መዓልቲ እትቀርዮ ኣቐዲምካ መብርሂ ምሕታት ይካኣል ።

21. ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

22. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914276785/0914113996/0914764000 ደዊሎም ይሕተቱ፤

ምሰ ሰላምታ

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮከ/ስ/ት/በ/ዕ ምም/ር ፋይናንስን