ምልክታ ፕሮፎርማ
ቴዕሪ ል/እ/ም/ፋ/22£-018
ዕለት 05/05/2018 ዓ.ም
ቤ/ዕ ል/እቶትን ምምሕዳር ፋይናንሰ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ባጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝውዕል ፤ ናይ ህንፃ መሳርሒ ንናይ ዘርኢን ሴፍቲን ብፕሮፎርማ ኣውዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ።
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ተረቲ፤
1. ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቓድ ኣብ ዘለኩምን ኣብዚ ባጀት ዓመት ዘሓደሰኩም ወይ ድማ ግብሪ ዝክፈልኩም።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርድ ዘለኩምን ፤ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነትካርድ ዘለኩም፤ ናይ ባት ሰርትፊኬት ዘለኩም፤ ናይ ወርሓዊ ዲክላሬሽን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምት 2018 ዓ/ም መረዳእታ ክተት እትኽእሉ እቲ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 06 ብምውሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 05/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 14/05/2018 ዓ/ም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ፕሮፎርማ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይከኣል።
3. ጨረታ ሳንዱት ዝዕገሉ ዕለት 14/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተረቲወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት ተዘይሃለውን ኣብ ውሽጢ ሳንድቕ ዝተረከበ ፖሰታ ብሰርዓት ይክፈትን ይግምግምን ።
4 ተረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ፡ ናይ ህንፃ መሳርሒ መኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 10000/ ዓሰርተ ሽሕ ናይ ዘርኢ 5000 ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብCPO / ከትሕዙ ተረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ / ብርDO / ብብር ከትሕዙ ኣለዎም።
5. ተጫረቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፈርማን ባዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ሰርዝ ድልዝ እንተኾይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎን።
6. ተረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ተወዳዳርቲን ኣብ 5 መዓልቲ ውሽጢ ብፅሑፍ ምስ ቀረበልኩም ቅሬታ እንተዘይቀሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር።
7. ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ - ተረቲ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዝትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግሰቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።
8. ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንሰ ወረዳ 21 ኣውላዕሎ ክርከብ ይግባእ።
9. ቤ/ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።
ንተወሳኺ ሓበረታ
ሰ/ቁ ሞባይል 0932326414 / 0914165013/