ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንቤት ማዘጋጃ ዕሸል ከተማ ትኹል ግልጋሎት ዝውዕል ሓንቲ ቦክሰር ሞተር ሳይክል VAT ዝተመዝገቡ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቃሕታት( መዐቀንታት) እተማልኡ ተጫረቲ ክተወዳደሩ ንዕድም።
1. ናይ 2018ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ፤መቅረባይነትን ፤ ንግዲ ምዝገባን ዝተሓደሰን ቲን ቁፅሪ ዘለዎን ግብሪ ዝከፈለ ክኮውን ኣለዎ
2. ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀአሉ ዕለት ካብ 28/04/2018ዓ/ም ክሳብ 07/05/2018ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 08/08/2018ዓም ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ብምግባር ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫራታይ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወክሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ 6000 ብር ብናይ ስፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ናብ ሒሳብ ቁፅሪ 1000675799729 ኣታዊ ብምግባር ናይ ጨረታ ሰነድ መግዘኢ ድማ ብር 150 ዘይምለስ ይኾውን።
4. በቲ ብድሕሪት እዚ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ተታሕዙ ዘሎ ፔፐስፊኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ።
5. ተጫራታይ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀምሩ ኣብ ዉሽጢ ሓምሽተ ማዕልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ማዘጋጀ ዕሸል ከተማ ትኹል ኣታዊ ይገብር።
6. ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረክቡ ብከፍል ይኩን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
7. ኣድራሻ ኣብ ወረዳ ሰብዓ እንደርታ ጣብያ ዓዲ ኣዝመራ ዝርከብ ቤት ማዘጋጃ ዕሸል ከተማ ትኹል
8. ተወሳኪ ሓበረታ ብስልኪ ቁፅሪ 0921588218 ደዉልካ ምሕታት ይከኣል
| ሪጋ | ዓይነት ንብረት | መግለፂ | በዝሒ | ዋጋ |
|---|---|---|---|---|
| 1 | ቦክሰር ሞተር ሳይክል 155 CC | ብድሕሪ እዚ ምልክታ ተታሕዙ ዘሎ ስፔስፊኬሽን መሰረት | 01 |
ምስ ሰላምታ/