1 ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም : መሳርሒ ህንፃ ፡ ሞተር ናይ ማይ ፡ ፈልሲ ጣብያ ፡ ናይ ሓባር ዒላ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓም ዲክላሬሽን ዝገበረ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : ናይ 2018 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ሰርተፊኬት ብቅዳሕ መልክዕ ምስ ሰነድ ጨረታ ከቅርቡ ዝክእሉን : 3 ሚእታዊ ዊዝ ሆልድንግ ታክሲ ክከፍል ዝክእል
3 ናይ ዝቀርብ ንብረት ዓይነት ንግዲ ፈቃድ በቲ ዘርፊ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ጨረታ ሰነድ ቅዳሕ ብምግብር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነኒበይኑ ተዓሺጉ ክቅርብ ይግባእ
5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን
6 ከይዲ ጨረታ ብዘኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር
7 ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ እንትምላእ ሽም ኣድራሽ ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ
8 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ን30 መዓልቲ ይከዉን
9 ንሕድሕድ ጨረታ ዋጋ እንትምላእ በቲ ዝቀረበ ስፐሰፊኬሽን ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ እስፐሲፈኬሽን ምእታዉ ኣይፈቀድን ግልፂ ኣይኮነን ኢሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ወይ ብስልኪ ክሓትት ይግባእ
10 ጨረታ መከበሪ መሳርሒ መሳርሒ ህንፃ 20000 ፡ ሞተር ናይ ማይ 8000 ፡ ፈልሲ ጣብያ 30000 ፡ ናይ ሓባር ዒላ 30000 ቅርሺ ብጥረ ገነዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ ምካንኩም ክንገልፅ ንፈተዉ ከምእዉን መከበሪ ጨረታ ዝልቀቅ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
12 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል
13 እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተሃልዎ ድማ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
14 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ካምኣድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል
15 ስራሕቲ ፕሮጀክት ማይ ናይ ባዕሉ ካፒታል ሚኢቲ ሚእታዊ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእልን ክፍሊት ብዝምልከተ ሕጋዊ ርክክብ ምስፈፀመ ይከዉን
16 እቲ ስራሕቲ ፕሮጀክት ማይ ዘተኣማም ፋይናንሳዊ ዓቅሚ ዘለዎን አብ መንግስታዊ ትካል ናይ ሐደ ዓመት ልምዲ ስራሕ ብፅሬት ሰሪሑ ዘረከበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
17 ኣብ ስራሕቲ ማይ ኮንስትራክሽን ንግዲ ትካላት ብደረጃ 9 ደቀቀቲ ንግዲ ትካላት ይዕድም
18 ኣብ ማይ ተንከፈ እትወዳደሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ካም ኣድላይነቱ 25 ሚእታዊ ክቅንስ ይክእል
19 ኣብ ማይ ተንከፍ ዉድድር ዝሐልፍ ቴክኒካል መዓቀኒታት ዝመለአ ይከዉን
20 ኣብ ቴክኒካል ዝተጠቀመጠ መዓኒ 70 ሚእታዊ ዘመላአ ናይ ፋይናንሻል ይሐልፍ
21 ሰነድ ጨረታ ሞተር ናይ ማይ ፡ ፈልሲ ጣብያ ካብ ዕለት 25/4/2018 ዓም ክሳብ 10/5/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳርን ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እንዳከፈሉ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
22 ሰነድ ጨረታ ናይ ሓባር ዒላ ካብ ዕለት 26/4/2018 ዓም ክሳብ 14/5/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳርን ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እንዳከፈሉ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
22 ጨረታ ዝክፈተሉ ንፈልሲ ጣብያ ፡ ህንፃ መሳርሒ ፡ ናይ ሞተር ማይ ዕለት 12/5/2018 ዓም ዝዐፀወሉ ሰዓት 5፡00 ኮይኑ ዝከፈተሉ ድማ ሰዓት 530 ይከዉን
22 ጨረታ ዝክፈተሉ ንናይ ሓባር ዒላ ዕለት 15/5/2018 ዓም ዝዐፀወሉ ሰዓት 5፡00 ኮይኑ ዝከፈተሉ ድማ ሰዓት 5፡30 ይከዉን
23 ኣብቲ ጨረታ ሰዓርቲ ምካኖም ዝተፈለዩ ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ፅሬት ብዘለዎን ብመሰረት እቲ ቤት ፅሕፈት ዘዳለዎ ዝርዝር መዓቀኒታት ማለት እዉን እስፐስፊኬሽን እንትከዉን ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ካልኦት ወፃኢታት ብምሽፋን ናብ ቤት ፅሕፈት ልማዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሰየምቲ ኣድያቦ ዕቀባ ንብረት ከረክቡ አለዎም
24 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914779492 / 0968922661