ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ

1 ናይ ህንፃ ኮንትራክተራት ማለት እዉን BC ወይ ናይ ጠቅላላ ኮንትርክተራት ማለት እዉን GC ስራሕቲ ደረጃ ዘለዎ ኮይኑ ናይ 2017ን ወይድማ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መረጋገፂ ብቅዓት ቲን ናምበር በቲ ዘርፊ ናይ 2017ን ወይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርትፊኬት ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ናይ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን ከቅርብ ዝክእል

2 ተወዳደርት ኣብ ዝሐለፈ 7 ዓመት ካብ 2011 ዓም ጀሚሩ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ህንፃ ስራሕቲ ካብ ሐደ ፕሮጀክት ሐደ ኮንትርክት ሐደ ሚልዩን ልዕሊኡን ብአግባቡ ዝሀነፀ ምካኑ ምስ ኮንትራክት ዉዕሊ ከቅርብ ዝክእል ወይ ግዝያዊ ርክብ ወይ ናይ መጨረሻ ርክክብ ምስ ናይ ክፍሊት ሰነድ ማልት እዉን ፐይመንት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 መከበሪ ፕርፎርማ ብር 20000 ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወዳዳራይ ነቲ ፕሮጀከት ጆሚሩ ከቅፅል ምካኑ ንምርግግፅ እንተነኣሰ ሽድሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ኣብ ባንኪ ሒሳቡ ዘለዎ ምካኑ ዘረጋግፅ ሕጋዊ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ወይድማ ናይ ባንኪ ስተትምነት ወይ ናይ ልቃሕ መማረፂ እንተሃልዎ ነቲ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ብልቃሕ ዝረከብ ምካኑ ካብቲ ዝልቀሖ ባንኪ ዝተዉሃቦ መረጋገፂ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክልእ

5 ተወዳደርቲ ነቶም ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ሓይሊ ሰብ ከማልኡ ዝክእሉ ምካኖም ብናይ ሕጋዉነት ዘለዎ ዉዕሊ ቁፃር ሞያ ብቅዓትን ማለት እወን ፕሮፊሽናል ላይሰንስ ከቅርቡ ዝክእሉ ፎርማን በዝሒ ሐደ

6 አብዚ ፕሮፎርማ ዝወረዳደሩ ኮንትራክተራት ከመላእዎ ዝግባእ በዓል ሞያ ማለት እዉን ሐደ ፎርማን በዝሒ ሐደ ደረጃ ትምህርቲ ብስቪል ምህንድስና ወይድማ ብኮንስትራክሽን ማናጅመትን ብኮንስትርክሽን ቴክኖሎጂ ብኮንስትርክሽን ኢንጂነሪ ብተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ ክልተ ዓመት ወይድማ ዜሮ ዓመት ቁፀቀር በዓል ሞያ ብሕጋዊ ትካል ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ዝክእል

7ተወዳዳራይ ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ማሽነሪታት ናይ ባዕሉ እንተኮይነን መረጋገፂ ሌብሬ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ እንድሕር ተካሪዩ ዘምፀአን ኮይኑ ድማ ሕጋዊ ዉዕሊ ብሌብሬ ዝተደገፈ ከቅርብ ዝክእል ክከዉን አለዎ ቀዳማይ ሚክሰር በዝሒ ሐደ ቫይቭሬተር በዝሒ ሐደ

8ሰዓራይ ዝከዉን ተወዳዳራይ ንኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት ነቲ ዝተሐተተ መዓቀኒ ኣማሊኡ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ሰዓራይ ይከዉን

8 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ምስተረጋገፀ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ዉዕል ብምእሳር ብዝተዉሃቦ ዲዛይንን ስፐስፊኬሽንን ነቲ ዝተዉሃበ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልቲታት ሰሪሑ ከረክብ አለዎ

9 ሰዓራይ ተወዳደሪ መከበሪ ዉዕሊ ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ኣን ኮንድሽናል ባንክ ጋራንቲ ዘተሓሕዝ ምካኑ ከፍልጥ አለዎ

10 ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ምሉእ ሰነድ ዋጋ ዝሐዘ ደኩምንትን ቅድም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱን ኩሎም ዝተሐተቱ መለክዒ ዝሐዙ መረደእታት ዋናን ክልተ ቅዳሕን ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታት ምስዓሸጉ ናይ ዋና ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ናእሽተይ ነብስወከፍ ፖስታት በማርክር ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ማህተም ኣብ ልዕል እቲ ፖስታ ክዓርፎ ብምግባር ዳግም ኮሎም አናእሸተይ ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ኣእትዩም ብምዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ናይ ኮንትራክተር ሽምን ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ብዝር አ ማረከር ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ቁፅሪ 32 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክኣትዉ አለዎ

11 ኣብ ነብሰወከፍ ሰነድ ጨረታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይኣዛብዕ ክምቲ ክሽየጥ ዘሎ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

12 እዚ ዋጋ ፕሮፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

13 ሰነድ ፕሮፎርማ ጨረታ 9/4/2018 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 15/4/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 1130 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

14 ሰነድ ፕሮፎርማ ዕለት 16/4/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914375211