ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ዉቕሮ ቅድስት ማርያም ኢንስቲቱዩት ብምትሕብባር ዩንሴፍ ማስተር ካርድ ውንዴሽን ማሕበራዊ ሃገረ ስብከት ዓዲ ግራት ዝውዕል ናይ ሕንፃ መሳር ልምዓት ፕሮግራም ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
በዚ መሰረት ዝምልከቶም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሓታት ሰረት ክወዳደሩ ንዕድም፡፡
1. ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕረቡን ናይ ዲክላራሴን ዝገበርሉ መረዳእታናን ዘቕርቡ፣ ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ናይ ቫት
2. ናይ 2018 ዓም ንግድን ሞያን ፍቃድን ዘሓደሱ ምዃ መረዳእታ ዘቕርቡ፣
3. ናይ 2018 ዓ/ም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘሓደሱ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡ፣
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብባንክ ረጋገፀ ሰርተፊኬት CPO 30000 / ሳላሳ ሺሕ ዘቕርቡ፣
5. ብቢሮ ኤጄንሲ ልምዓት እቶት ናይ ገብሪ መለለይ ካርዲ/ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕረቡን ኣብ መቕረባይ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቐት ዘቕርቡ፤
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ንሕድ ሕድ ዘይመለስ ብር 300 ከፊሎም እዚ ምልከታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 23/03/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 29/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ናይ ድ/ሰዓት ኣብዘሎ ናይ ስራሕ ስዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቕላላ መሊኦም ክቢ ማህተም፣ ፊርማን ሽም ድርጅትን ዓሪፍዎ ዋጋን ብሽምዒያ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገበሩ፣
7. ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረቲ አብ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን አይኸእሉን፣
8. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 29/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ተዓሽጉ 9:30 ዝኸፈት ኮይኑ ተወዳዳርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃለዩ ይምረፅ፣
9. ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይነሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርብ ዝኸእል ጨረታ ዝኸፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን፣
10. ጨረታ ተዓዋቲ ዝኾነ ኣብ ዉሽጢ 5' ናይ ስራሕ መልዓልቲ ቐሪቡ ዉዕሊ ይአስር፣ እንተዘይአሲሩ ግና ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ይኸዉን፤
11. እቲ ትካል ጨረታ ምስተኸፈተ ከምአድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ ኣቁሑት መጠን ክሳብ 25% ክዉስኸን ክቅንስን ይኸእል፣
12. ዝሸነፍዎ ንብረት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ትካልና ኣታዊ ይገብሩ፣
13. እቲ ትካል እዚ ጨረታ ዘየዋፅእ ተኾይኑ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ፣
14. ኣብ ልዕሊ ተጫረቲ ተደሪብካ ምእታዉ አይካኣልን፣
15. ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
16. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብልኪ ቁፅሪ 0914783327/0919040469 ደዊሎም ክረኸቡና ይኸአሉ፡፡