1 ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርተፊኬትን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬትን ቲን ናምበርን ቫት ሰርተፊኬት ናይ ኩሎም መረዳእታ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ቫት ተመዝገብቲ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓም ቫት ሪፖርት ዝገበርዎ መረዳእታ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተወዳደርቲ መክበሪ ፐርፎርማ ብር 11000 ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ አለዎ
4 ኣብ ዉሽጢ 7 ዓመታት ወይድማ ካብ 2011 ዓም ክስብ 2017 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ እንተወሐደ ሐደ ግዜን ልዕሊኡን ኮንትራክት ወይ ሳብ ኮንትራክት ወሲዱ ብዉሑዱ 500000 ብር ልዕሊኡን ዝሰርሐ ምካኑ ግዜያዊ ናይ መወደእታ ርክክብ ፐይመንት ሰርተፊኬት ዘቅርብን
5 ተወሳኪ እዉን ብፅሬት በቲ ዝተዉሃቦ ዲዛይን ግዜን መሰረት ዝወደአ ምካኑ ድጋፍ ደብዳብ ካብቲ ዝሰርሓሉ ትካል ከቅርብ ዝክእል
6 ሰዓራይ ዝኮዉን ተወዳዳራይ ኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት ኣማሊኡ ዝተሐተተ ዋጋ ዝአተወ ይከዉን
7 ብዘይ ምንም ቅድመ ክፍሊት ብናይ ባዕሉ ዓቅሚ ክሰርሕ ዝክእልን ናይቲ ዝሰርሖ ስራሕቲ ድማ እናተረጋገፀ ክፍሊት ዝፍፀም ምካኑ
8 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ካብ ዝተረጋገፀሉ ግዜ ጀሚሩ ብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ዉዕሊ ብምእሳር ብዘተዉሃቦ ዲዛይንን ሰርተፊኬትን በዉዕሉ መሰረት ሳይት ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጪ 45 መዓለቲታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
9 ሰዓራይ ተወዳደሪ ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ መከበሪ ዉዕሊ ብምልክዕ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ካብቲ ጠቅላላ ዘሸነፎ 10 ሚእታዊ ከቅርብ ዝክእል
10 ኩሎም ተወዳደርቲ ሰነድ ፕረፎርማ ካብ 4/3/2018 ዓም ጀሚሩ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይን ህንፀት ስራሕቲ ህንፃ ቁፅሪ 16 ብር 250 እናከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ
11 ፐርፎርማ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ፐርፎርማ ካብ ዝክፈተሉ ግዜ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 15 መዓልቲ ይከዉን
12 ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ዝሐዘ ደኩመንት ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነዳትን አብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኦርጅናልን ኮፒን ኢልካ ኣብቲ ልዕል እቲ ኣናእሽተይ ፖስታታት ብማርከር ብምፅሓፍን ማህተም ብምግባርን ዳግሞ ኩሎም አብ ኣናሽተይ ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ናይ ኮንትራክተር ሽም ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አብ ህንፃ 16 ዕለት 11/3/2018 ዓም ክሳብ ሰዓት 4:00 ከቅርብ አለዎ እቲ ፕርፎርማ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ኣብ ሳንዱቅ ዝአተወ ፖስታ ብዘይምህላዎም ዘይክፈት ኣይህልዉን
13 ተወዳደርቲ ኣብቲ ፕርፎርማ ዝተትሓዙ ዝርዝር ብትክክል ዋጋ መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ፕርፎርማ ደኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይኣዛብዑ እቲ ደኩምንት እንተይ ኣዛብዑ እቲ ደኩመንት ከምቲ ክሽየጥ ዝነበሮ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕርፎርማ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
15 ኣብዚ ፐርፎርማ ዝወዳደር ኮንትራክተር ከማለኦ ዝግባእ ባዓል ሞያ ከምዝስዕብ ይከዉን ተራ ቁፅሪ ሽም ዝርዝር በዓል ሞያ በዝሒ ሐደ ደረጃ ትምህርቲ ብስቪል ምህንድስና ብኮንስትራክሽን ማናጅመንት ብኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂን ብኮንስትራክሽ ኢንጅነሪንግን ተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ 2 ዓመት ንዲፕሎማ 0 ዓመት ንዲግሪ መብርሂ ዝቆፀር በዓል ሞያ ካብ ሕጋዊ ትካል ወይድማ ፍትሒ ተቀባልነት ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ዝክእል
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0923306009