ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

ቑፅሪወ/እ/ -02- /16/2018 ዓ/ም 

ዕለት 21 /02/2018ዓ/ም

ምልክታ ፕረፎርማ ጨረታ

አብ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ወረዳ እንደርታ ናይ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ሕ/ገ/ልምዓት /ሴፍቲኔት/ ወረዳ 70 እንደርታ ) ግልጋሎት ዝውዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት ብፕረፎርማ ኣወዳዲሩ(ዕድጊት ) ወይ ግልጋሎት ክፍፅም/ክረክብ/ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ናይ ህንፃ መሳርሒታት ብፕሮፎርማ - ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ መሰረት ሕጋውያን ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም ።

በዚ መሰረት ነጋዶ ከማልኡዎ ዝግበኦም ረቋሕታት

1. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ ፣መቅረባይነት ምስክር ወረቀትን TIN Noን ከቅርቡ ዝኽእሉ፡፡

2. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረብቲ ምዝገባ ሴርቲፊኬት ከቅርብ ዝክእል ።

3. ቫት ተመዝገብትን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2018ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ ከቅርብ ዝክእልን።

4. መለለይ ግብሪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ከቅርብ ዝክእል።

5. እዚ ፕሮፎርማ እዝይ ካብ ዕለት 21/02/18ዓ/ም እስካብ ዕለት 30/02/2018 ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ምስ ኾነ በቲ መወዳእታ ዝተጠቀሰ ዕለት 30/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ትዓፂዉ ብተመሳሳሊ ሰዓት 4:30 ድማ ይኽፈት::ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።

6. እዚ ፕረፎርማ እዝይ ከም ዉዕሊ ኾይኑ የገልግልን የገድድን እዩ፡፡

7. እቲ ንብረት/ኣቅሓ/ በቲ ዝተጠቀሰ ስፐሲፊክሽን መሰረት ክኸዉን ይግባእ::

8. እቲ ቤት ፅሕፈት ዘቅመጦም ረቓሒታት ንዘይተማልኡ መቅረብቲ ትካላት ካብቲ ዉድድር ወፃኢ ንገብር ምኻና ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ::

9. ኣድራሻና ኣብ ወረዳ 70 እንደርታ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ F-04 ምውሳድ ይካአል።

10. ኣብዚ ፕረፎርማ ከይዲ ስራሕና ነቲ ፕረፎርማ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ሕሉዉ ኮይኑ ከከም ኣድላይነቱ 20% ምውሳክ ወይ ምቅናስ ቤት ፅሕፈት ይክእል እዮ።

11. መክበሪ ጨረታ (ቢድ ቦንድ) 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር )ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ክትሕዝ ዝክእል።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 0344420304 ደዊሎም ምሕታት ይካኣል።