ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

1 በቲ ዘፈርና 2017 ዓም በቢዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 በቲ ዘፈርና ናይ 2017 ዓም በቢዘፈሩ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

4 በቢሎቱ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ

6 በቢሎቱ ናይ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

7 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ስራሕ መፅዓንን መራገፍን ሐዊሱ ብናይ ባዓሉ ወፃኢ ንብረቱ አብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ዝገብር

8 ተጫራታይ በቢሎቱ ዘቅረቦ ንብረት በቲ ረቆሒ መሰረት ብባዕል ሞያ ፅሬቱ እናተራጋገፀ ኣታዊ ዝግብር እንትከዉን እዉ ብባዕል ሞያ ቁቡል እንተዘይተገይሩ ንብረት ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ፈሊጡ በዚ ምክኒያት ዝፍጠር ፀገም ሐላፍነት ክወስድ ዝክእል

9 እቲ ዝተመለአ ነፀላ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ማለት እዉን ንምንባብ አፀጋሚ እንተኮይኑ ካብ ዋጋ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

10 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ብዕለት 17/2/2018 ዓም ክሳብ 5/3/2018 ዓም እንትከዉን ዕለት 5/3/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድም ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወክላቶም ብዘይምራካብም ስነስርዓት ምክፋት ጨረታ ኣይተዓናቀፍን

11 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን በበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊኡ ዋናን ቅዳሕን ኢልካ ብምፅሓፍ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ኣብ ዘዳለዎ ጨረታ ክሳብ ጨረታ ዝዕፀዉ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

12 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ኦፍላ በቢሎቱ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

13 መከበሪ ጨረታ በቢሎቱ ንሎት ሐደን ክልተን 15000 ቅርሺ ንሎት ሰለሰተ 30000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሽም ወረዳ ኦፍላ ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ካብ ሕጋዊ ባንኪታት ዝተሰርሐ ስፒኦ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ መዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል

14 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 40 መዓልቲታት ይከዉን

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝገዝእ ንብረት ካምኣድላይነቱ ካብ ነብስወከፈ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ከቅንስ ይክእለ እዩ

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0912076022 ወይድማ 0914769894