1 በዚ መሰርተ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እተደልዩ ናይ ደአንት ብሪኪ 8 ኣናእሸተይ GC/RC ዝኮንኩም ተጫረቲ ክትሳተፉ ይዕድም
2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ናይ ኮንስትራክሽን ማላት እዉን ተኮናታራይ ደረጃ ብርኪ 8 ኣናእሽተይ GC ወይድማ RC ተኮናተራይነት ምዝጋበ ደረጃ ዝገልፅ ምስክር ወረቀት ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናሽተይን ትካላት ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ናይ ግበሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ወርሒ መስከረም ናይ ቫት ዲክላሪሽን ከማልእ አለዎ
3 ተጫረቲ ብርኪ 8 ኣናሽተይን GC/RC ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክትጫረቱ ትክእሉ ኢኩም
4 ንጨረታ መክበሪ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና 50000 ብር ከቅርቡ አለዎም
5 ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ፕሮጀክተ ስራሕቲ ኣብ ዉሽጢ ተከታታሊ 120 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም
6 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 30/1/2018 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረት ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 3 ኣድላይ መረዳእታ ዘይምለስ 2000 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምዉሰድ ክትጫረቱ ትክእሉ ኢኩም
7 ተጫረቲ ናይዚ ትጫረትሉ ፕሮጀክት ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን መረዳእታ መወዳደሪ ዋጋ ናይ ጨረታ መከበሪ በበይኖም ተዓሺጎም መሊስካ ኣብ ሐደ ዓብይ መዓሸጊ ተዓሺጉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ኣደራሽ መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ዕለት 24/2/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ንጉሆ በኣካል ብምቅራብ ከእትዉ አለዎም
8 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ እቲ ሰነድ ፊሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ኮይኑ ክቀርብ አለዎ
9 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ 24/2/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ኣዳራሽ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ይክፈት
10 ሰዓራይ ዝኮነ ኮንትርክተር ካብ ጠቅላላ ናይ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ሐደ ሚእታዊ ናብ ቤት መዝጋጃ እቶት አታዊ ከምዝገብር ፈሊጡ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ
11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊኢ መኣማራፂ እንተረኪቢ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ