ቁፅሪ 005/ም/ጨ/10/18
ዕለት 28/01/2018ዓ/ም
ንተጫረቲ ኩሉ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ንዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ወረዳና ካብ ናይ ሴፍትኔት ካፒታል በጀት ንሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕሉ፡-
1. ናይ ኢ/ማቴሪያልን ማይ ኣቁሒትን መጣቀሲ ቁፅሪ Tig/AT/G/001/25
2. ናይ ፈልሲ ጣብያ ናዉቲ መጣቀሲ ቁፅሪ Tig/A/G/002/25
3. ናይ 45 መዓልቲ ጨቃዉቲ መጣቀሲ ቁፅሪ Tig/AT/G/003/25
4. ናይ ዉፅኢት ማዕድን መጣቀሲ ቁፅሪ Tig/AT/G/004/25
ብፕሮፎርማ (SHOPPING) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም በቢ ስራሕ ዘርፉ ንክትጫረቱ ንዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት
1. ተጫረቲ ናይ 2017/2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬትን ቲን ናምበርን ዘለኩም
2. ተጫረቲ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክኮን ይግባእ
3. ብዘይ ናይ ጨቃዉቲ/ደርሁ/ ዝተረፈ ኢ/ማተርያልን ማይ ኣቁሒትን፡ ዉፅኢት ማዕድን፣ ናይ ፈልሲ ጣብያ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ናዉቲ ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ሓምለ ዝክእሉ ምኳኖም
4. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ዝከውን ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO ንኢ/ማቴሪያልን ማይ ኣቁሒትን 10000.00 ንውፅኢት ማዕድን 10000.00፡ ናይ ፈልሲ ጣብያ ናዉቲ 10000.00፡ ናይ 45 መዓልቲ ጨቃዉቲ 2000.00
5. ተጫረቲ ንብረት ዝቀርበሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ይከውን
6. ተጫረቲ እቲ ዝምልእዎ ዋጋ ናይ መፅዓኒን መራገፍን መጎዓዓዝን ኣብ ግምት ዘእተወ ክከውን ኣለዎ
7. ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ሽሞም፣ ፊርሞኦምን ማህተምን ክዓርፎ ይግባእ
8. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከምኡ እውን ዝተማልአ ደኩመንት ኣብ ዝቀርበሉ ይኽፈት
9. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር
10. እቲ ውድድር ITEM by ITEM መሸነፋይ ይከውን
11. ሰነድ መሸጢ ዋጋ 100.00 ብር
12. ቤት ፅሕፈት እቲ ዝሰዓርዎ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ
13. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ 15 መዓልቲ ይኸውን።
14. ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 29/01/2018ዓ/ም-10/02/2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ ዕ/ን/ምም ቢሮ ቁፅሪ 4 ይከውን
15. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 10/02/2018 ዓ.ም ኮይኑ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 5፡00 ተዓሺጉ 5፡30 ይክፈት
ንሓበሬታ
0924281261