ማሕበር ኣክሰዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ

ዕለት 06-10-2025ኣ.ፈ

ጨረታ ቁፅሪ-2

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ኣክሰዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ናይ ኤለክትሮኒክስ፣ ፈርኒቸርን ማሽነርን ኣቁሑት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘረ ተማልኡ መቅረብቲ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

1. ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 300(ሰለስተ ሚኢቲ) ብምኸፋል እናገዛእኹም ክትወስዱ ትኸእሉ

2. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ኣከራኸሪ ነገር እንትፍጠር ቤት ፅሕፈትና ማሕበር ኣክሰዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

3. እዚ ናይ ዋጋ ዝርዝር መግለፂ ካብ ዕለት 06/10/2025 ኣፈ ሰዓት 2:30 ንግሆ ክሳብ ዕለት 16/10/2025 ኣ.ፈ ሰዓት 04:00 ቅድሚ ስዓት ኣብ ዝተፈቐደ ቦታን ኣብ ኣየርን ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ዕለት 16/10/2025 ኣ.ፈ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ይኸፈት፡፡

4. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ዝሳተፉ በቲ መስመር ዝወፀ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ መቅረባይነት፣ መፍለዩ ከፋሊ ግብሪ (TIN)፣ ቫት ተመዝገብቲ እንተኾይኖም ዝተመዝገብሉ ሰርቲፊኬት ወርሓዊ ቫት ዘእወጅሉ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ ።

5. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ ከቕርብ ዘይኸእል ምውድዳር ኣይፍቀድን ።

6. ዘሸነፍኩምዎ ንብረት ፅሬቱ ክሳብ ዝረጋገፅ ፉሉይ ምልክት ብምግባር ብመፅንሒ ሰነድ ንናይ ትካልና ሰራሕተኛ ክተረክቡ ይግባእ።

7. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ከጭበርብር ዝመኮረ ወይ ዘጉላእለአ ብመምርሒ ዕደጋ ዝሕተት ምዃኑ።

8. መኸበሪ ጨረታ 5% መኸበሪ ውዕሊ 10% ብጥረ-ገንዘብ ኣብ ትካልና ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ከተትሕዙ ትኽእሉ።

ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ክተቅርቡ በቲ መስመር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ተጫረቲ ክትወዳድሩ ንዕድም፡፡ ራሻና መቐለ ከባቢ ሮማናት ኣደባባይ መስመር ጅብሩክ ጥቓ ህንፃ ኣረጋዊ ሃይሉ

ሰ/ቁፅሪ 0926930566/0914010604