መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ሓፂን መፂንን ኢንጂነሪንግ ሓላ.ዝ.ው.ማሕበር ኣብ ዓብይ ዓዲ ናይ ፉል ስቴሽን ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ብኮንስትራክሽን ስራሕቲ ደረጃ GC-3 ወይም ደረጃ BC-3 ልዕሊኡን ብቕዓት ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተወዳዳርቲ ምስዚ ምልክታ ብዝተተሓሓዘ ሰነድ ጨረታ መሰረት ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኸእል::

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቃድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ ናይ ኮንስትራክሽን ፍቓድ (License) ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ዝክፈልሉ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብር 100.00 (ብር ሓደ ሚኢቲ) ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 17/09/2025-01/10/2025 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት አብ ዓብይ ዓዲ ዝርከብ ፕሮጀክት ቢሮ ወይ ድማ አብ መስፍን ሓፂን መፂንን ኢንጂነሪንግ ሓላ.ዝ.ው.ማሕበር ቤት ፅሕፈት ክወስዱ ይኽእሉ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብምምላእ ኣብ ሕድሕድ እቲ ጨረታ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ብምግባር ሓደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድ(ፋይናንሻል ቴክኒካልን ዶክመንት) ብምድላው እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 17/09/2025- 01/10/2025 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ክሳብ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት/ዓብይ ዓዲ ነዚ ተብሂሉ ዝተዳለወ ሳፁን ክእትው ኣለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሲፒኦ (CPO) ብር 160,000.00 (ብር ሚኢትን ስሳን ሽሕ) ንበይኑ ብስምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ከምኡ'ውን ካሊእ ዓይነት ጨረታ መኸበሪ ተቐባልነት የብሉን፡፡

5. እዚ ጨረታ ስዓት 8:00 ዕለት 01/10/2025 ተዓዕዩ ዕለት 02/10/2025 ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቐትሪ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት፡፡

6. ተጫረቲ ናይዚ ስራሕ ናይ መዛዘምን መረከብን ግዜ አብ ውሽጢ 90 ተክታተልቲ መዓልቲታት ዝርከብ ምዃኑን እቲ መዓልቲ ስራሕ ንምጅማር ዝኣትውሉን ስራሕ ወዲኦም ዝወፅሉ ግዜ ዘካትት እዩ፡፡

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው አይካአልን። ከምኡ'ውን ተጫሪቶም ዝሳዓርዎ ስራሕ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ብሳብ ኮንትራክት ብሳልሳይ ወገን ምስራሕ ኣይካኣልን፡፡

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ንጠቕላላ ዋጋ 10% ባንክ ዉሕስና (Unconditional bank Gurantee) ከትሕዙ ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮኑ ግን ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞዎ (CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ ፡፡

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ሲዒሮም ዉዕሊ ምስ ኣሰሩ በቲ ዉዕሊ ዝኣሰርዎ ናይ መረከቢ ግዘ እቲ ስራሕ ክርከቡ እንተዘይኪኢሎም እቲ ዘትሐዝዎ 10% ዉዕሊ መኸበሪ ጋራንቲ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካልእ መማረፂ ይወስድ፡፡

11. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

አድራሻ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቁዕርታት ምጥያቅ ይካአል

መቐለ

ስልክ. 0914734116

ፋክስ 0344406225