ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት ነዞም ዝስዕቡ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት ( Construction Materials ) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር፡፡
l. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅሪ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም።
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 06/12/2017 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ 20/12/2017 ዓ.ም እዮ ፡፡ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/12/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5:00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ፡፡ ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኸእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 20/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ፡፡
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላአኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifeation) ምስራዝ ኣይካኣልን፡፡
9. እቲ መእዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ – መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ማረት ቤት ፅሕፈት