ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስተራክሽን ክልል ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ሓምለ 2017 ዓ.ም

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር አቑሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ምስ ስዓራይ ናይ ዓመት ውዕሊ ብምእሳር ከፀግን ይደሊ፡፡

ተ.ቁዝርዝር መግለፂስፐስፌኬሽንመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
ብርሳንብርሳን
1ድረወር ምፅጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያልብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
2ናይ ድረወር ቁልፊ ምቕያርብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
3ሽልፍ ምፅጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያልብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
4ናይ ሸልፍ ቁልፊ ምቕያርብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
5ፋይል ካብኔት ምዕጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያልብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
6ናይ ፋይል ካብኔት ቁልፊ ምቕያርብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
7ጠረጼዛ ምዕጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያልብኦርጅናልቁፅሪንሓደ
8ሙሉእ ናይ በሪ ቁልፊ ምቕያርዘይቕረፅ ኦርጅናልቁፅሪንሓደ
9ስሊንደር ዘይቅረፅ ቁልፊ ምቕያርዘይቕረፅ ኦርጅናልቁፅሪንሓደ

• ጠቕላላ ድምር ዝተሓተ ዝኾነ ስዓራይ ይኸውን፡፡ ዝምላእ ዋጋ ናይ ጉልበት ዋጋ ዝሐወሰ ክኽውን አለዎ፡፡

በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

• በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ግልፂ ዝርአ ኮፒ ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ኮምፕሌክስ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 17/11/2017 ጀሚርኩም ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 21/11/2017 ስዓት 400 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ፡፡

• እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ይኽፈት፡፡

• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣

• ብፕሮፎርማ ኣብ ዝፍፀም ዕደጋ ኣብ መንጎ መቕረባይን ቤት ዕዮን ምውዕዓል ከየድለየ መቕረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ ናይ ዓመት ውዕሊ ብምእሳር ክሰርሕ ዝኸአል፡፡

• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

• ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡