ምልክታ ፕሮፎርማ ሓምለ 2017 ዓ.ም
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር አቑሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ምስ ስዓራይ ናይ ዓመት ውዕሊ ብምእሳር ከፀግን ይደሊ፡፡
| ተ.ቁ | ዝርዝር መግለፂ | ስፐስፌኬሽን | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ብር | ሳን | |||||
| 1 | ድረወር ምፅጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያል | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 2 | ናይ ድረወር ቁልፊ ምቕያር | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 3 | ሽልፍ ምፅጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያል | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 4 | ናይ ሸልፍ ቁልፊ ምቕያር | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 5 | ፋይል ካብኔት ምዕጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያል | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 6 | ናይ ፋይል ካብኔት ቁልፊ ምቕያር | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 7 | ጠረጼዛ ምዕጋን ብናይ ባዕሉ ማተርያል | ብኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 8 | ሙሉእ ናይ በሪ ቁልፊ ምቕያር | ዘይቕረፅ ኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
| 9 | ስሊንደር ዘይቅረፅ ቁልፊ ምቕያር | ዘይቕረፅ ኦርጅናል | ቁፅሪ | ንሓደ | ||||
• ጠቕላላ ድምር ዝተሓተ ዝኾነ ስዓራይ ይኸውን፡፡ ዝምላእ ዋጋ ናይ ጉልበት ዋጋ ዝሐወሰ ክኽውን አለዎ፡፡
በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
• በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ግልፂ ዝርአ ኮፒ ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
• ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ኮምፕሌክስ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 17/11/2017 ጀሚርኩም ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 21/11/2017 ስዓት 400 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ፡፡
• እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ይኽፈት፡፡
• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣
• ብፕሮፎርማ ኣብ ዝፍፀም ዕደጋ ኣብ መንጎ መቕረባይን ቤት ዕዮን ምውዕዓል ከየድለየ መቕረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ ናይ ዓመት ውዕሊ ብምእሳር ክሰርሕ ዝኸአል፡፡
• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
• ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡