ኣፈ/መ/ቁ.183
ዕለት፦ 26/10/2017 ዓ/ም
ኣፈ/ከሰስቲ፦ 1. እኒ ደስታ ተስፋይ 103 ቁፅሪ ሰባት
2. እኒ ሃይላይ ታደሰ 24 ቁፅሪ ሰባት
ኣፈ/ተኸሳሲ፦ ኣፍሮዕዮን ኮንስትራክሽን ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር
ምልክታ ጨረታ
1. ኣብ መንጎ ብዘሎ ናይ ኣፈፃፀም ክርክር ኣብ ናይ ኣፈ/ተኸሳሲ ኩሓ - ማይ መኽደን መንገዲ ፕሮጀክት ዝርከቡ ዋንነቶም ናይ ኣፈ/ተኸሳሲ ዝኾኑ፦
ኮንክሪት ቱቦ ንውሓት 2.6 ሜትር ዲያሜትር ብ 1.2 ሜትር ንሓደ ቱቦ ብመበገሲ ዋጋ 21,472,18/ዒስራን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ሰብዓን ክልተን ብርን ዓሰርተ ሸሞንተ ሳንቲምን በዝሒ 390፣ኮንክሪት ቱቦ ንውሓት 12 ሜትር ዲያሜትር ብ1.2ን 1.4ን ሜትር ንሓደ ቱቦ ብመበገሲ ዋጋ 10,175.30 /ዓሰርተ ሽሕን ሓደ ሚኢትን ሰብዓን ሓሙሽተን ብርን ሰላሳ ሳንቲምን በዝሒ 983 ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መሰቦ ቁሸት ሓረና ዝርከብ ቤዝ ኮርስ ጠጠር ንሓደ ሜ ብብር 638 45 /ሽዱሽተ ሚኢትን ሳላሳን ሸሞንተን 45 100 ብር/ ንዕለት 19/11/2017 ዓ/ም ካብ ሰዓት 3፡00-6፡00 ቅድሚ ሰዓት እቲ ቱቦ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ኩሓ-ማይ መኽደን መንገዲ ፕሮጀክት ብግልፂ ጨረታ ክሽየጥ ስለዝተደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ኣካላት ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺብኩም ንክትጫረቱ፣ ጨረታ ሰዓራይ ድማ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ 25% ሽዑ ንሽዑ ኣታዊ ከም እትገብሩ ዝተረፈ ክፍሊት ድማ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ኣታዊ ከም ዝግበርን ፈሊጥኩም ንክትረቱን ውፅኢት ጨረታ ዝቐርበሉ ዕለት ድማ 21/11/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ከም ዝኾነን ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣዚዙ ኣሎ።
2. እቲ ቱቦ ን2ይ ግዜ ዝወፀ ጨረታ ስለዝኾነ በቲ መበገሲ ዋጋ እንተይተገደበ ካብ ተጫረትቲ ዝሓሸ ዋጋ ዘቕረበ ሰዓራይ ይኸውን። ናይ ቤዝ ኮርስ ጠጠር ጨረታ ንመጀመርያ ግዜ ስለዝኾነ ካብቲ መበገሲ ዋጋ ምውራድ ኣይከኣለን።