ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑ (Construaction Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕጻግ ትደሊ:: ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅሪ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ክትሕዙ ኣለዎም፡፡
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሽገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 19/10/2017 ዓ.ም
ጀሚሩ ክሳብ 01/11/2017 ዓ.ም እዮ ። እቲ ጪረ ታ ዝዕፀወሉ ዕ ለ ት 01/11/2017 ዓ.ም ል ክ ዕ ሰዓት / 5፡00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ከገዝኡ ይኽእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 01/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ፡
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) ምስራዝ ኣይካኣልን።
9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡