ቁፅሪ ዕፉን/ምጨ/15/645 /2017 ዓ/ም
ዕለት 17/10/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 22/2017 ናይ መኪና ስፒርን ፣ ናሞተር ስፔርን/3ይ ግዚኢት ይምልከት
ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔርን ናሞተር ሳይክልን ኤሌክትሪካል ሳንፖሎ ንሳልሳይ ግዜ/ ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክንገዝእ ንደሊ:: ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም ፣ እዚ ፕሮፎርማ ድማ ኣብ ትልሚ ዘይተትሓዘን ግዜ ስለ ዘይህብን ስለ ዝኾነ ዝወፅእ እዩ፡
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም
2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2017 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን
3. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን ።
4. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይርክትሮት ዕደጋፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 17/10/2017 ዓ/ም ክሳብ 19/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።
5. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት ቀፂሉ ይክፈት ናይ ስራሕ መዓልቲ 20/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፣30 ናይ ንጉሆ ይከውን
6. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ሻት ዝተመዝገብኩም ሻት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።
7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግልን ኮይኑ ሰዓራይ ምዃንኩም/ን ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በፅሓኩም ኣየቅርብ'ን ምባል ተቀባልነት የብሉን ።
8. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።
9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።
ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ