እንትጮ ቤት ማዘጋጃ

ን3ግዘ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ 2017 ዓ/ም

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ክስትህ ዕፋን ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪ ኣቑሕት ፣ቶታልስቴሽን: ናይ ፅባቐ ተክልታት ታን ዕንበባታትን ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

1. በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ እርጅናልን ሓደ ኮፕን መረዳእታ ክቕርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ቁፅሪ TIN ሰርተፊኬት አርጅናልን ሓደ ኮፕን ክቕርብ ዝክእል

3. ንተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝዝበ፡-NAT ምዝገባ ሰርተፊኬትን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓም VA ድክለሬሽን አርጅናልን ሓደ ኮፕን ከቕርብ ዝክእል

4. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅሪባይነት ደብተር ዘለዎ ኮፒ ገይሩ ከቕርብ ዝክእል

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝተኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘየብሉን ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ናይ ባዕሎም ወይ ወኪሎም ፈርማን ኣብ ሕድ ሕደ ገፅ ማህተምን ዝዓረፎ ኮይኑ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቐርብ ይግባእ፡፡ እዙይ ኣማሊኡ ክቅርብ ዘይካኣለ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን፡፡

7. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ አንትጮ ካብ ዕለት 02/10/2017 ዓ/ም ክሳብ 13/10/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ክትወዳደሩ ትክእሉ

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ ኤለክትሪክ ኣቑሕት 5000 ብር ቶታልሉቴሽን ብር 5000 ናይ ዕቐ ተክልታትን ዕምበባታትን 4000 ብር፣ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ዝፍለጥ ሒሳብ ቁፅሪ 1000103562235 ብኣታዊ ደረሰይ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቕርብ ዝክእል

9. በተጫረቲ ናይ ሰነድ ጨረታ መግዚኢ ዋጋ ዘይምለስ 500 ብር “ሓሙሽተ ሚኢቲ) ብር ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ

10. እቲ ጨረታ ዕለት 13/10/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት››

11. ቤት ፅሕፈትና ነቲ ግልፂ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

12. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት መጠን ክሳብ 20 ክትንስ ወይ ክውስክ ይክእል እዩ

13. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኢታዊ ዝኸውን ኮይኑ ኣብቶም ዝሳዓሮም ቀወምቲ ንዛረታት ዋስትና ክህብ ዝክእል

➢ ዝበለፀ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ 09 45 50 77 39 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል :