1 ተጫረቲ ናይ እተወዳደርሉ ዘፍር ንግድ አብ ወሽጢ ፖስታኩም ናይ 2017 ዓም : ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት : መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ :ተመዝጋቢ ተወሳኪ እስታ ታክስ ምስክር ወረቀት ተመዝገበቲ መረደእታ ቅዳሕ አታሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝግበቲ ኮይኖም ናብ ዝሐለፈ ውረሒ ዲከለሪሽን ዝግበረሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ወይድማ ብፊዲራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዘዳለወ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ዘቅርቡ
3 ኣብ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፊርማ ኣድራሻን ሕጋዊ ማህተምን ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ክዓርፎ ይግባእ
4 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካሊእ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን
5 ብተወሳኪ ድማ ተወዳደርቲ ኣብ ነብስወከፍ ገፅ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዋጋ ሐዊሶም ብጥንቃቀ ትክክለኛ ብነፀላ ዋጋ ከቀምጡ አለዎም
6 ተጫረቲ በቢዝምልከቶም ዘፈር መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ባንኪ ዝተረጋገፀ መዘአዘዚ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዙ ይግባእ
7 ሞተርሳይክል 15000 : ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቅሑት 15000 ቅርሺ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 4 ዘይምለስ 300 ቅርሺ ጥራሕ ብምክፋል እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 13/9/2017 ዓም ክሳብ 28/9/2017 ዓም ሰዓት 300 ቅድሚ ቀትሪ ክወስዱ ይክእሉ
8 እቲ ጨረታ 28/9/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከለቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት እንተዘይሃለዉ እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት
9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ግዜ መዓልቲታት መሰረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ከረክቡ ይክእሉ
10 ሰዓራይ ብነፀላ ኣቀሓ ምካኑ ክፍለጥ አለዎ
11 ሰዓራይ ዘቅርብ ንብረት ብኦርጅናል ምካኑ ክፍለጥ አለዎ
12 ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ዋና ንበይኑ ቅዳሕ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ አለዎም
13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0922883981