ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

1 ናይ 2017 ዓም በቢ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክርነት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 መለለይ ቁፅረ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ናይ ወርሒ ለካቲት ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ኣቀዲሞም ከትሕዝዎ ዝክእሉ ካብ ዝፍለጥ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብጥረ ገንዘብ ንፀገና ዝዉዕል ንብረታት መሳርሒ ህንፃ ዝተፈላለዩ ናይ ወርክሾፕ ማሽናትን 15000 ቅርሺ ክትሕዝ ዝክእል

7 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ከቅርብ ዝክእል

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝርዝር መምምሊ ሰነድ ጨረታ ዝሓዘ ካብ 9/9/2017 ዓም ክሳብ 25/9/2017 ዓም ተከታታሊ ማዓልቲ ብምምፃእ ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ብምዉሳድ ዝተመለአ ብፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

9 ሳንዱቅ ጨረታ 25/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:10 ኣብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 በዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዝክፈት ኮይኑ እንተዘይተረኪቦም እዉን ከይዲ ምክፋት ጨረታ ከይተኣጎጎል እቲ ዝተረከበ ፖስታ ኮን ሳንዱቅ ጨረታ ተከፊቱ ሕጋዊነቱ ዝረአ ይከዉን

10 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት መገዓዝያ መፅዓኒን መራገፊ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ፅሬቱ ኣፈቲሹ አረጋገፁ አታዊ ዝገብር ክከዉን አለዎ

11 እቲ ቤት ዕዩ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 እቲ ቤት ዕዩ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344450953 0972164349 0928937677