1 ብስራሕ ዘርፊ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነት ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ መለለይ ግብሪ ከፈልቲ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
3 ቫት ዝተመዝገበን ቅዳሕ ዘቅርብን ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓም ዲክለር ወይ ሪፖርት ዝገበረሉ ቅዳሕ ዘቅርብን
4 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ 16000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብሽም ትካልና ዉቅሮ ማእከል ህንፀት ከትሕዝ ዝክእል
5 ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳጥን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኩን ሐሳብ ተቀባልነት የብሉን
6 ተወሳኪ ንዝወፀ ስፐስፊኬሽን አማሊኢ ንዘይቀረበ ተወዳደሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
7 ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነት ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ጥርዓን ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ መፂኡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ኣብ ዝተጠቀሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ መትሓዚ ስፒኦ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይከዉን
8 ሰነድ ጨረታ ካብ 1/9/2017 ዓም ክሳብ 18/9/2017 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ዉቅሮ ማእከል ህንፀት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ቢሪ ቁፅሪ 4 ይወስዱ
9 እቲ ጨረታ 18/9/2017 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት
10 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጠ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ የትሕዝ
11 ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፈን ናበ ቤት ህንፀትና ከረክብ ዝክእል
12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እቲ ጨረታ ካብ ዝተፈከተሉ ንተከታታሊ 20 መዓልቲ ይከወን
13 ቤት ዕዩና ኣብ ሕድሕድ ንብረት 20 መእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ
14 ቤት ህንፀትና ዝሐሸ ማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914112307 0942660820