ቤት መዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰን ብቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ብቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊግብሪ ዘለዎ ብቅዳሕ ድማ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ተመዘጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ብቅዳሕ ድማ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 6/9/2017 ዓም ካብ ሳዓት 2:30 ክሳብ 11:30 ኣብ ስራሕ ሰዓት ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ክፍሊ ቁፅሪ 15 ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 500 እናከፈለኩም ክትወስዱ ትክእሉ

6 ናይ ኣቅሑት ጨረታ ዕለት 7/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ናይ ማሸን ኪራይ ድማ ዕለት 7/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ ኣማሊኡ እንተተረኪቡ በዘይለዉሉ እዉን ንምክፋት ዝዓገቶ ነገር የብሉን

8 መከበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት 10000 ቅርሺ : ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ 20000 : ናዉቲ ፈርኒቸር 10000 ቅርሺ : ሞተር ሳይክልን 15000 ቅርሺ : ናይ ማሽን ክራይ 120000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዝተመስረተ ወይ ብስፒኦ ጥራይ ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ በዘይብሉ እንተኮይኑ እዉን ኣብ መወዳእታ ዋጋ ናይ ባዕሉ ወይ እዉን ወኪሎም ፊርማ ማሕተምን ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ድማ ማሕተም ትካል ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ

10 ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ሰነድ ጨረታ ማሕተም ዘይገበረ ተወዳዳሪ ብመመርሒ ዕደጋ 5/2006 ዓም መሰረት ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተነኣሰ ን25 መዓልቲታት ዝፀነዓ ይከዉን

12 ኩሉ ዓይነት ዝድሊ ሰነድ ኣብ እዋን ጨረታ ዘየመላአ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝከዉን ክፈልጥ አለዎ

13ትካልና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ንምርካብ ስልኪ 0943080138 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል