1 ናይ 2017 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም
2 ቫት ወይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም በቢወርሒ ናይ ግብሪ ዝከፈልክምሎም መረዳእታ ናይ ሰለሰተ ወርሒ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ቫት ዲክለር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መፍለይ ቁፅሪ /TIN / ዘለኩም
4 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም
5 ተጫረቲ ብኣካል ይኩን ብሕጋዊ ወኪሎም ኣቢሎም ጨረታ መከበሪ ሎት ሐደ ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒን ማሽነሪ ኣቅሑት : ሎት ክልተ ናይ ኤሌክትሮኒክስን ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቅሑት 5000 ቅርሺ : ሎት ሰለሰተ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት : ሎት ኣርባዕተ ናይ ጋርመንት መሳርሒ ኣቅሑት 3000 : ሎት ሓሙሽተ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረገሰገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
6 ሰነድ ጨረታ ብክልተ ዝተሻገ ፖስታ መደ ዓይነት ዋናን ቅዳሕን ዝሐዘ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 24/8/2017 ዓም ክሳብ 15/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቀትሪ ምእታዉ ዝክኣል ምካኑ
7 ተወደዲሮም ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ወይ ትራንስፖርት ኮሌጅ ናብ ዘለዎ ቦታ ከቅርቡ አለዎም
8 ኮሌጅና ኣብ ዝምላእ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ኣድራሽን ስልኪ ቁፅሪን ማህተምን ክታምን ከማልኡ ይግባእ
9 ቁፅሪ ሐደ ክልተ ሰለሰተ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ሰነድ ጨረታ ንምዕዳግ ዝክልፈል ዋጋ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ክፍል ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ ከባቢ መናሃሪ ዝርከብ ትግራይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቀዳማይ ደብሪ ቁፅሪ 8 ምዕድጋ ይክእሉ
10 እቲ ጨረታ ዕለት 28/8/2017 ክሳብ 15/9/2017 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ዝከኣል ኮይኑ እቲ ጨረታ ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 አብ ትግራይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ተጫረቲ ወይድም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
11 ኣብቲ ሰነድ ብዝተፈላለይ ዓይነት ብዕር ዝተመለአ ሰነድ ተቀባልነት ይብሉን
12 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዘተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914756315 / 0920871631 ደዊልካ ምሕታት ትክእሉ