ኮሌጅ ሳይንስን ጥዕና ደ/ር ተወልደ ለገሰ

ቁፅሪ ዕ/ፋ/ን/ም/ር/9097/16 

ዕለት 24/08/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ ፎርድ መኪና ናይ ፅሬት መሳረሕ ናይ ህንፃ ሞቶ አለቃ ቁልፍ ጥራሕ መሳረሕታት ብፕሮፎርማ አጫሪቱ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ናይቲ ዘርፊ ፍቃድ ዘለኩም መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።

መምርሒ ተጫረቲ/ተወዳደርቲ

➢ ተወዳደርቲ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቲን/TIN Noን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

➢ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኹም እትመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ክኸውን ኣለዎ

➢ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ካብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ዕደጋ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 9 ምውሳድ ይከኣል

➢ በቲ ዋጋ መቅረቢ ብዝተአሸገ ፖስታ መሊኡ ካብ ዕለት 24/08/2017ዓ/ም እስካብ 29/08/20167ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ፕሮፎርማ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

➢ እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 29/08/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡30 ድማ ይኽፈት

➢ እዚ ፕሮፎርማ እዝይ ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግልን የገድድን እዩ።

➢ እቲ ኣቅሓ/ግልጋሎት /በቲ ዝተጠቀሰ ስፐስፊከሽን መሰረት ክኸውን ይግባእ

እቲ ኮለጅ ዘቐመጦም ረቋሒታት ንዘይማልኡ መቅረብቲ ትካላት ካብቲ ወድድር ወፃኢ ንገብር ምኳንና ኣጥቢቐና ነተሓሳስብ

➢ ኣብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂ ዘይኮነን ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን

➢ ካብቲ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ባዓልካ ንብረት ቀይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም ኣይፍቀድን

➢ ኮለጅና ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ኣድራሻና፦ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ጥቓ እንዳጋብር

ንዝበለፀ ሓበሬታ፦ 03-44-40-87-55 ይደውሉ።