1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ምዝገባን ንግድን ፍቃድ ንግዲ ስራሕን ናይ ኮንስትርክሽን ወይ እዉን ተኮነተራይንት ምዝጋባ ካርድን ወረቀት ምዝገባ ከፋላይ ግብሪ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ምዝገባ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ እሴት ታክስ ዲክላራሽን ዘቅርብ
2 መክብሪ ጨረታ 625000 ቅርሺ ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ ዘቅርብ ኮይኑ ብናይ ቢሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝወየሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካል ብዝተረጋገፀ ቼክ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ወይ እዉን ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም
3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረክብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 210 ተከታታል መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም
4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 3500 ቅርሺ ኣብ መዘጋጃ ቤታዊ እቶት ብምክፋል 12/7/2017 ዓም ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዲዛይን ህንፀትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ 16 ምዉሳድ ትክእሉ
5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሐደ ዋና ሐደ ቅደሕን ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ሐደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ድማ ፋይናንሻል ሰነድ ጨረታ ምክብሪ ጨረታ ስፒኦ ብቅዓት መረጋገፂ ስራሕ ተኮነታራይነት ፍቃድ ንግዲ ስራሕ ወረቀት ምስክር ምዝጋባ መቅረባነት ወረቀት ምስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን ምዘጋበ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ነኒበይኑ ብምሽዓግ መሊስካ ኣብ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ አብ ዝባኑ ዋና ቅዳሕን ሽምን ኣድራሻን ተፃሒፍሉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 29/7/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ወይ ብወኪል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም
6 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ እብቲ ጨረታ ፊርማን ማህተምን ሃቲሞም ቅደም ሰዓብ ሐላዩም እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ 30/7/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ ኣዳራሽ ቤት መዘጋጃ ከተማ አክሱም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት
8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
9 ፍትሓዊነት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ደቂ ተባዓትን ደቂ ኣንስቲዩን ማዕረ ክፍሊት ክከፍል ዝክእል
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342750903