ምልክታ ጨረታ
ትካልና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ኣብ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ናይ Office Roof Terrace Construction ስራሕ ብቅሉዕ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ በቲ ስራሕ ብቕዓት ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተወዳዳርቲ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::
ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን
1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኽእል::
2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቃድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ፣ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ዝክፈልሉ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብር 100.00 (ብር ሓደ ሚኢቲ) ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 17/03/2025-31/03/2025 ብኣቆፃዕራ ኣዉሮፓ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኽእሉ፡፡
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብምምላእ አብ ሕድሕድ እቲ ጨረታ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ብምግባር እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 17/03/2025-31/03/2025 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ክሳብ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ አብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ተብሂሉ ዝተዳለወ ሳፁን ክእትው ኣለዎም፡፡
4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሲፒኦ (CPO) ብር 150,000.00 (ብር ሚኢትን ሓምሳን ሽሕ) ንበይኑ ብስምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ከምኡ'ውን ካሊእ ዓይነት ጨረታ መኸበሪ ተቐባልነት የብሉን፡፡
5. እዚ ጨረታ ስዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡
6. ተጫረቲ ናይዚ ስራሕ ናይ መዛዘምን መረከቢ ግዜ አብ ውሽጢ 30 ተክታተልቲ መዓልቲታት ዝርከብ ምዃኑን እቲ መዓልቲ ስራሕ ንምጅማር ዝኣትውሉን ስራሕ ወዲኦም ዝወፅሉ ግዜ ዘካትት እዩ፡፡
7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው አይካአልን። ከምኡ'ውን ተጫሪቶም ዝሳዓርዎ ስራሕ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ብሳብ ኮንትራክት ብሳልሳይ ወገን ምስራሕ ኣይካኣልን፡፡
8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡
9. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ንጠቕላላ ዋጋ 10% ባንክ ዉሕስና (Unconditional bank Gurantee) ከትሕዙ ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮኑ ግን ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞዎ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ ፡፡
10. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ሲዒሮም ዉዕሊ ምስ ኣሰሩ በቲ ዉዕሊ ዝኣሰርዎ ናይ መረከቢ ግዘ እቲ ስራሕ ክርከቡ እንተዘይኪኢሎም እቲ ዘትሐዝዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ጋራንቲ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካልእ መማረፂ ይወስድ፡፡
11. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምእታዎም እቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ብአካል ናብ ሳይት ብምኻድ ክሪኡ ኣለዎም
12. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
አድራሻ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቁፅርታት ምጥያቅ ይካአል
መቐለ
ስልክ. 0914734116
ፋክስ. 0344406225