ምልክታ ፕሮፎርማ

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሪክ ሞተር ሳይክል ብፕሮፈርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ነዙይ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ካብ ዕለት 05/06/2017ዓ/ም ክሳብ 07/06/2017ዓ/ም ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብዝተኣሸገ ፓስታ ናብ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክ/ት ቢሮ ቁፅሪ 268ንክተቕርቡ ንዕድም፡

ታ/ቁዓይነት ንብረትዝርዝር መግለመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋ ብርጠ/ዋጋ ብርመብርሂ
1ሞተር ሳይክል ኤሌክትሪክ -ሓደ ግዜ ቻርጅ ፉል ምስ ኮነት 120ኪ/ሜ ትጎዓዝ-ባትሪ 32 A
-ብዝሒ ባትሪ 6
-ናይ ቅድሚት ምስትዋት /Glass/ ዝትገጠመ
-ዉሕስና/Garant ክህብ ዝኽእል
ብቁፅሪ01

✓ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ዝተሓድሰ ንግዲ ፍቓድ ክተቅርቡ ትኽእሉን፤

✓ ቲን ቁፅሪ (TN No) ዘለዎን ከትሕዝ ዝኸእል፤

✓ ብመቅረባይነት ዝተመዘብኩም፤

✓ ዘቅርቦም መረዳእታ ነኒሕድ ሕድ ፎቶ ኮፒ ጌሩ ከቕርብ ዝኸእል፤

✓ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ይቁፀር፤

✓ ዝተዳለወ ሰነድ ካብ ኮሚሽንና ብምውሳድ ብናትና መቅረቢ ዋጋ መሊኡ ከቅርብ ይግባእ፤

✓ ፓስታ ዝዕፀወሉ ዕለት 07/06/2017ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት 8፡30፤

✓ ፖስታ ዝኸፈተሉ ዕለት 07/06/2017ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት 9:00

✓ ሰዓረይ ዝኾነ መቕረባይ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፤

✓ ኮሚሽንና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ፤

ፐሮፎርማ ኣብ ዝኸፈተሉ ሰዓትን ቦታን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ዝኸእሉ ምዃኖም፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኮምፕሌክስ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 268 ንርከብ፤

ስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 44 17