ናይ ጨረታ ማስታወቅያ
ድርጅትና ከሳቴ ብርሃን መ/ኮሌጅ ቅድም ክብል ንዝጀመሮ B+G+10 ንሓደ ወለል ፊኒሽንግ ማተርያል ዝኸውን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። ስለዝኾነ ንዚ ኣብ ታሕቲ ዝቀረበ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ኣፍቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም
- በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2017ዓ.ም ዘሐደሰን
- ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ
- ብኣቅራባይነት ዝተመዝገበ
- ናይ እቲ ዘእተዎ ጠቅላላ ዋጋ ናይ ጨረታ መኽበሪ 2% ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል
- ኣሸናፊነት ምስ ተገለፀሉ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል
- ናይ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23/05/17ዓ.ም ካብ ትካልና ገንዘብ ቤት
- ዘይምለስ ብር 500.00(ሓሙሽተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል
- ተወዳደርቲ እቲ ዝተመለአ ናይ ጨረታ ሰነድን መትሐዚ ሲፒኦን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ሰዓት 4:00 ዕለት 29/05/17ዓ.ም ከእትዉ ኣለዎም።
- እቲ ጨረታ ማስታወቅያ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ እስካብ 29/05/17ዓ.ም ሰዓት 04:00 ዝፀንሕ ኮይኑ ኣፍቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት።
መተሓሳሰቢ
ትካልና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ:- 0914729078/ 0914746391