ቁፅሪ 10/ም/ጨ/04/2017
ዕለት 20/05/2017ዓ/ም
ንተጫረቲ ኩሉ
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዕቢ ብናይ ሴፍትኔት ካፒታል በጀት ዝተረከበ ንዘፈር ቁጠባ ናይ ዕ/ሓ/ማይን እታወታት ዝውዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሒት ብፕሮፎርማ (SHOPP\NG) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትጫረቱ ንዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት
1. ተጫረቲ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ -መቅረባይነት ሰርቲፊኬትን ቲን ናምበርን ዘለኩም
2. ተጫረቲ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክኮን ይግባእ
3. ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ምኳኖም
4. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ዝከውን ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO 10000.00 ብር
5. ተጫረቲ ሰዓራይ ምኳኖም ምስ ተፈለጠ መክበሪ ዉዕሊ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ መጠን ገንዘብ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO ከትሕዙ ምኳኖም
6 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ 20% ንዉስክ ወይ ንቅንስ ምኳና
7. ተጫረቲ ንብረት ዝቀርበሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ይከውን
8. ተጫረቲ እቲ ዝምልእዎ ዋጋ ናይ መፅዓኒን መራገፍን መጎዓዓዝን ኣብ ግምት ዘእተወ ክከውን ኣለዎ
9. ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ሽሞም፣ ፊርሞኦምን ማህተምን ክዓርፎ ይግባእ
10. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከምኡ እውን ዝተማልአ ደኩመንት ኣብ ዝቀርበሉ ይኸፈት
11. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር
12. እቲ ውድድር ITEM by ITEM መሸነፋይ ይከውን
13. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ 15 መዓልቲ ይኸውን።
14.ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 20/05/2017ዓ/ም-27/05/2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ ዕን ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 4 ይከውን
15. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/05/2017 ዓ.ም ኮይኑ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 5፡00 ተዓሸጉ 5፡30 ይክፈት