1 በቲ ዘፈር ግብሪ ንግዲ መንግሰቲ ከፊልኩም ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ሐደ ዘይምለሰ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ ሰርትፊኬት ቲን ቁፅሪ ዘለኩምን ሐደ ዘይምለሰ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገብኩምን ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ሐደ ዘይምለሰ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ ኩሎም ዝተሐተቱ መረዳእታ ዘይምለሰ ሐደሐደ ቅዳሕ ምስ መጫረቲ ሰነድ ብፖስተ ዓሺግኩም ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ዝምለስ ናይ ተደለይቲ ረቆሒታት ዋና ሰነድ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ተወዳደርቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይቲ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ማለት እዉን 8000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ብጥረ ገነዘብ : ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረት ወሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ  ሌተር ኦፍ ክሪዲት ክተትሕዙ እትክእሉ

8 ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 14/5/2017 ዓም ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ስራሕ መዓልቲ እንመፃእኩም ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር ብምምዓእ ኣብ ከይዲ ስራሕና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣታዊ ክትገብሩ ንዕድም

9 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 14/5/2017 ዓም ክሳብ 29/5/2017 ሰዓት 4:00 ኣበ ዘሎ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 29/5/2017 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን  ይክፈት

10 ናይቲ ጨረታ ወጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ ን25 መዓለቲታይ ይከዉን

11 አብዚ ጨረታ ሰዓርቲ ዝኮኑ ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርክምዎ መድሓኒት ይኩን ናዉቲ ህክምና ጠቅላላ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

12 አብዚ ጨረታ ሰዓርቲ ዝኮኑ ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርክምዎ መድሓኒት ይኩን ናዉቲ ህክምና ትካልና ብመሰረት ናይ ጨረታ ዘቀመጦ ዝርዝር መግለፂ ፅሬት ዘለዎን ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ካልኦት ወፃኢታትን ብምሽፋን ናብ ወረዳ ፅምብላ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ዕቀባ ንበረትን መፂእኩም እተረክቡ ይከዉን

13ቤት ፅሕፈት ኣብ ሕድሕድ መድሓኒት ይኩን ናዉቲ ህክምና ከከምኩነታቱ 20 ሚእታዊ ከከምኩነታቱ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

14ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914781384 / 0948539374