1 ነዘም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ዘፈር ዝፈለየን ሕጋዊ ፍቃድ ንግድን ናይ መቅረባይነት ካርድን ዘለኵም ተወዳደድርቲ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድኩምን መቅረባይነት ካርድኩም ናይ 2017 ዓም መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም መቅረብቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዓይነታት እተቅርቡ መቅረብቲ ክተወዳደሩ ንዕድም
2 ንመድሓኒት እንስሳ ግዝኢት ጥራሕ ካብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወፃኢ ዝኮንኩም ተጫረቲ ንክትጫረቱ ንዕድም
3 ዝተረፉ ዓይነታት ጨረታ ግና ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም መቅረብቲ ክትሳተፉ ንዕድም
4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን በቢ ወርሑ ወይ በቢ ሰለሰተ ወርሑ ኣተዊ ዝገብርሉ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓም ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘተሓሓዙ
5 ጨረታ ኣብ አይር ክፉት ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ንተጫረቲ ዝሽየጠሉ ግዝ ካብ 13/5/2017 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 3/6/2017 ዓም ሰዓት 11:30 ኣጋምሸት ኣብ ዘሎ ሰነድ ጨረታ ተሸይጡ ይዉዳእ
6 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝክፈተለን ዕለት 4/6/2017 ዓም ሰዓት 5:00 ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዝተሸጠ ሰነድ ጨረታ ዋና ምስ ቅደሕ ነንበይኑ ተፈላለዩ ተዓሽጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓዴት ዝርክብ ጨረታ ዝኣትዉ ኮይኑ እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
7 መከብሪ ጨረታ መሸጢ ሰነድ ጨረታን አብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ መዓቀኒ ረቆሒ ተቀሚጡ ይርከብ
8 ካልኦት ኣድለይቲ ዘበሉ ሐበሬታት እዉን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ መዓቀኒ ረቆሒ ይርከብ
9 ብጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንኩሎም ዓይነት ዕድጊታት ብናይ ባዕልኩም መፅዓንን መራገፍን መገዓዝያን ወፃኢ ሸፈነኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ክተረክቡ አለኩም
10 አብ ናይ ፅገና ኮምፒተራትን ፕሪንተራትን ዝምልክት ኣብ ዉሽጢ 15 መዓለቲ ኣብ ወረዳና ዉሽጢ ኣበ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት ብኣካል መፂእኩም ናይ ፅገና ስራሕቲ የካይዱ
11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914376030 0920862685