ንተጫረቲ ኩሉ
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ብናይ ዋን ዋሽ ዝተረከበ በጀት ንቤት ፅሕፈት ጥዕና ኣብ ጣብያ ፈ/ወይኒ ማእከል ጣብያ ስላፕ ንምስራሕ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኢ/ማተርያልን ዉፅኢት ማዕድን ብፕሮፎርማ (SHOPPING) ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትጫረቱ ንዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት
1. ተጫረቲ ናይ 2016/2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬትን ቲን ናምበርን ዘለኩም
2. ተጫረቲ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክኮን ይግባእ
3. ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ምኳኖም
4. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ዝከውን ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO ንኢ/ማቴሪያል 5000 ፡ ንውፅኢት ማዕድን 3000
5. ተጫረቲ ንብረት ዝቀርበሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ይከውን
6. ተጫረቲ እቲ ዝምልእዎ ዋጋ ናይ መፅዓኒን መራገፍን መጎዓዓዝን ኣብ ግምት ዘእተወ ክከውን ኣለዎ
7. ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ሽሞም፣ ፊርሞኦምን ማህተምን ክዓርፎ ይግባእ
8. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከምኡ እውን ዝተማልአ ደኩመንት ኣብ ዝቀርበሉ ይኸፈት
9. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር
10. እቲ ውድድር ITEM by ITEM መሸነፋይ ይከውን
11. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ መዓልቲ 15 መዓልቲ ይኸውን።
12. ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 16/04/2017ዓ/ም-23/04/2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ
ዕ/ን/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 4 ይከውን
13. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/04/2017 ዓም ኮይኑ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 5፡00 ተዓሺጉ 5፡30 ይክፈት
14. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡