ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ንዝርገሐ ማይ ዝውዕሉ ንብረታት ናይ ህንፃ መሳሪሕን ቱቦታት ማይ መገጣጠሚን ፕላስቲ መምረትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ሰለዝደለየ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት ተማኡ ተውዳደርቲ ንክስትወዳደሩ ይዕድም::

1. ግብሪ 2016 ዝከፈልኩምን ፍቃድ 2016 ዓ/ም ወይ 2017 ዓ/ም ዘሐደሽኩምን

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ ቲን ናምበር ዘሎኩምን

3. ዝተሓደሰ መቅራባይነት 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ዘለኩምን

4. ቫት ምዝገባ ሰርቲፌኬት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ቫት ዲክላሬሽን ከቅርብ ዝዕክል

5. ተጫረቲ ዋጋ አንቲመልኡ ናይ ሓደ ዋጋ ጠቅላላል ዋጋ ኣፈላላይ ክህሉ የብሉን

6. ተጫረቲ ሰርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን

7. ከይዲ ጨረታ ብዘይ ኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ካብቲ ጨረታ ንከይሳተፉ ምዕጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንህብር

8. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብር ሰላሳ ሽሕ ከድሕዝ ኣለዎ

9. ዝሰዓረ ተውዳዳሪ ዝሰዓሮ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወፃኢ ናይ ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ኣታዊ ዝገብር

10. ተጫራታይ ሲዒርካ ተባሂሉ ፋይናንሽል ውፅ ኢት ካብ ዝልጠፈሉ ድሕሪ ሰለስተ ተከታታኪ ናይ ስራርሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክአል

11. ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ካብ 20/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 04/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 12:00 ናይ ምሸት ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ኣየር ዝፅንሕ ኮይኑ 05/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተኣፅዩ ሰዓት 4:30 ይክፈት

12.ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ አናመፃአኩም ዘይምለስ ብር ክልተ ሚኢት ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ክትወስዱ ትክአሉ

13. ኣብ ፖስታ ዝአሸግ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ ቫት ሰርቲፌክትን ናይ ቫት ዲክላሬሽን ሰነድ ጨረታን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይይ ቲን ናምበር ዘድልዩ መረዳአታት ኣብ ፖስታ ተዓሽጉ ክቀርብ ኣለዎ

14. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኮፒ ብምግባር ኣብቲ ናይ ጨረታ ኦርጅጋናልን ኮፒትን ተባሂሉ ኣብ ፖስታ ተዓሽጉ ምልክት ብምግባር ከቅርብ ዝክዕል

15. ንተውሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914278106 / 0987270400 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል