1 ዝርዝር ንብረት ቶታል ስቴሽን ዝርዝር መረዳእታ በቲ ዘተሓሐዝናዩ መሰረት ይቀርበልና በዝሒ 1

2 በቲ ዘፈር ንግዲ ዝምልክት ናይ 2016 ዓመ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን መቅረባይነትን ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ካርድ ዘለኩም

3 ኩሉ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝብኩምን ናይ ወርሒ ሰነ ዲክለር ዝገበርኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ጨረታ ዝተመሓየሸ ፌርማ እንተዘይሃልዎ ተቀባለነት ከምዝይብሉ ነተሓሳስብ

5 ናይ ተጫራቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ክህልዎ አለዎ

6 እቲ ፖስታ ኣብ ላዕሊ ብዝንበብ ፅሑፍ ዓይነት ዝተገዝአሉ ሰነድ ክፃሐፈሉ ይግባእ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ብምክፋል ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መረብ ሚኢቲ ከይዲ ስራሕ እቶት ምዉሳድ ይክእሉ

8 መከበሪ ጨረታ 2000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ከዓ ኣብ ኩነታት ዘይተምሰረተ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

9 ካብቲ ዝተቀመጠ ዝርዝር ወፃኢ ወይ ከዓ ዓይነት ወፃኢ ቀየርክ ብናይ ባዕልካ ምቅማጥ ኣይከኣልን

10 ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ንተካታታሊ ናይ ስራሕ ሰሰዓት 24/1/2017 ዓም ክሳብ 7/2/2017 ዓም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

11 ብተመሳሳሊ 7/2/2017 ዓም ሰዓት 10:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 10:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከለቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ አዩ ዊዝሆልዲንግ ታክስ ዝከፍሉ ምካኖም ምርዳእ የድሊ