ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ 2016 ዓም ናይ 2017 በጀት ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግበሪ ዘለኩም ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓም ሒሰብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩም ናይ ኩሎም ዝተገለፁ ረቆሒታት መረዳእታ ዋና ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መከበሪ ጨረታ ንዘይሰዓሩ ሽዑ ዝምለስ መሳርሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ : ኣቅሑት ፅሬት 5000 ቅርሺ  : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን 15000 ቅርሺ  : መሳርሒ ህንፃን 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ተረጋገፂ ብዝቀረበ ቼክ ክተትሕዙ እትክእሉ

5 ተጫራቲ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእል

6 ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝተወዳደሮ ዉዕሊ መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወራዳ ላዕላይ ማይጨዉ ኣታዊ ከገብር ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወራዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ግብርና ዝርከበሉ ህንፃ ኣብ ምድሪ ቤት ዝረከብ ኮይኑ ንነብስወከፍ ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ንሐደ እተቅርብዎ መሊኢኩም ብሽምኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 3/1/2017 ዓም ክሳብ 24/1/2017 ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ሰዓት ኣብ ከይዲ ስራሕ ናብ ዝርከብ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ክትገብሩ ትክእሉ

8 ጨረታ 24/1/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወራዳ ላዕላይ ማይጨዉ ኩለ ዘማላኡ ብዘይልዉሉን ከም  ዝክፈት ምፍላጥ የድሊ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

ልቢ በሉ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንትሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0913875262