ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኳን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ:: በዚ መሰረት ድማ ትካልና ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት

1. ፈሳሲ ዘይቲ ብልዒ                               2. ናይ ፅሬት መሳርሒ

3. ናይ ምግቢ መብሰሊን                       4. ሓጋዛይ ድምፂ መስምዒ /hearing aid/

ካልኦትን ኣወዳዲሩ ንምግዛእሰለ ዝደለየ ነዙይ መሰረት ገይርኩም እዞም ዝስዕቡ ሮቃሕታት

እተማልኡ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም::

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ጥቃ ዓይኒ ሕክምና ክወስዱ ዝኽእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 5/13/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ተዓፅዩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ይኸፈት፡፡