ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ስፔር ፓርት ባትርን ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ፣ ከምኡ እዉን ማይ ብቦቲ ከቅርብ ዝኽእል ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
• ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።
• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።
• መቕረብቲ ካብ ዕለት 16-18/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።
• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 19/07/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን።
ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።
- አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
- ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
- ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካአል።