ን2ይ ጊዜ ዝኣ ናይ ደንቢ ክዳን ፕሮፎርማ ሓደጋ ጸውዒት
ቑፅሪ ምም/ን/002/2018
ዕለት 27/12/2018 ዓ/ም
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንሰራሕተኛ ግልጋሎት ዝውዕል ደምቢ ክዳን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝኣ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡
ደንቢ ክዳን
| ተቹ | መፍለይ | ዝርዝር ንብረት | መዐቀኒ | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ጠቕላላዋጋ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ሳምፕል | ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሓፂረ ቆርቦት ጫማ | ፅምዲ | 98 | |||
| 2 | ሳምፕል | ናይ ደቂ ኣነስትዮ ሓጺር ቆርቦት ጫማ | ፅምዲ | 12 | |||
| 3 | ሳምፕል | ቀምሽ ዝተሰፈየ | ብቑፅሪ | 11 | |||
| 4 | ሳምፕል | ውሽጢ ተምሽ ዝተሰየ | ብዕሬ | 11 | |||
| 5 | ሳምፕል | ሙሉእ ሽርጥ ዝተሰፈየ | ብቁፅሪ | 11 | |||
| 6 | ሳምፕል | ናይ ደቂ ኣንስተዮ ኮትን ጉርዴን ቀምሽ ዝተስፈየ | ብቁፅሪ | 2 | |||
| 7 | ሳምፕል | ናይ ደቂ ኣንሰትዮ ሽሚዝ ዝተሰፈየ | ብቁፅሪ | 2 |
1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ ዳይሬክቶሬት ዕዴፓን ምምሕዳር ንብረትን
2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 29/12/2018 ሰዓት 5:00 ረፋድ
3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስ ተሃቦ ኣብ ውሽጢ 20 ' መዓልቲ ንብረቱ ክቅርብ ግዴታ ኣለዎ፡፡
4.እቲ ዝሰፈ ክዳውንቲ ብሳምፕል መሰረት ቅኑ ብምውሳድ ሰፋዬ ዘቅርብ ክኸውን ብተወሳኺ ቑፅሪ ጫማ ናይ ሰራሕተኛ ሒዙ ክኸይድ ኣለዎ፣
5. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብዓልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን (መቕረባይ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤
6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።
7. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ገዛእን ሽያጭን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ
8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ስነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።
9. ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳሪ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉዳኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል
10. ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ንክቐርብ ፍቃደኛ ዘይኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ትካል ናይ ዕደጋ ውድድር ንዘይተወሰነ እዋን ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፅሓፈሉ።
11. እቲ ንብረት ናብ ዋ/ቤ/ ኢ/ስ/መት ምስኣተወ ኣብ ውሽጢ 5+ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቃደኛ ዝኾነ፤ 12 እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፤