ቤት መዘጋጃ ኣክሱም
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ቤት ፅሕፈት ምሕደራን ኣጠቃቅማን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ኣክሱም ንመንበሪ (103)፣ ንሕውስዋስ (49) ንንግዲ (4) ብጠቕላላ 156 ፕሎታት ብሊዝ ግልፂ ጨረታ (ዙር 62/2018) ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ።
* ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 14/12/2018 ዓ/ም ክሳብ 28/12/2018 ዓ/ም (ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 09:00) ብዘይምለስ 2,000 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣክሱም ምውሳድ ዝካኣል ኮይኑ፣ ቦታ ዝረኣየሉ ዕለት 22/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 እዩ።
* ናይ ጨረታ ሳፁን ዕለት 28/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፂኡ፣ ብዕለት 29/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ንጉሆ ኣብ ኣደራሽ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣክሱም 4ይ ፎቕ ይኸፈት።
* ተጫረቲ ናይ መበገሲ ዋጋን ስፍሓትን 20% ዘይኣነስ CPO (ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ዝርከቡ ባንክታት ዝተዳለወ)፣ ዝተሓደሰ መታወቅያ/ፓስፖርት ኮፒ፣ ኦርጂናል ሰነድ መግዝኢ ደረሰይን ናይ ጨረታ ሰነድን ብስቴፕለር ኣተሓሒዞም ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቕርቡ ኣለዎም።

ሊዝ ጨረታ ምልክታ

1. ዙር ጨረታ 62/2018

2. ናይ ጨረታ ዓይነት ስሩዕ

3. ቤ/ዕ ም/ኣ/ትሕዝቶ መሬትን ካዳስተርን ከተማ ኣክሱም ብኣዋጅ 721/2004 ዓንቀፅ 33 ንኡስ ዓንቀፅ 2 ደምቢ ቁፅሪ 76/2005 ዓንቀፅ 19 ዝተመሓየሸ መምርሒ ሊዝ መሬት ቁፅሪ 6/2016 ዝተፈላለዩ ቦታታት ንመንበሪ 103 ፣ ሕውስዋስ 49 ንግዲ 4 ብጠቅላላ 156 ፕሎታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ኣወዳዲሩ ከጫርት ይደሊ፡፡

4. ክትጫረቱ እትደልዩ እዚ ናይ ጨረታ ምልክታ ኣብ ኣየር ካብ ዝወዓለሉ ካብ ዕለት 14/12/2018 ዓ/ም ክሳብ 28/12/2018 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 2000 (ክልተ ሽሕ ብር) ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ማዘጋጃቤታዊ እቶት ቁዕሪ 5 ምውሳድ ይካኣል፡፡

5. ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 14/12/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 28/12/2018 ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 09፡00 ጥራሕ ይከውን፡፡

6. ናይ ጨረታ ሳፁን ዝዕሸገለ ዕለት 28/12/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይከውን፡፡

7. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 29/12/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ንጉሆ ኣብ ኣደራሽ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣክሱም 4ይ ደብሪ ይኸፈት ፡፡

8. ተጫረቲ እቲ ቦታ ክትሪኡ እትደልዩ ዕለት 22/12/2018ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ይከውን፡፡

9. ዝምልከቶ ኣካል ነቲ ጨረታ ብሙልእ ወይ ብክፋል ንክስርዝ መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ::

መምርሒ ሊዝ ጨረታ

ዝኾነ ተጫራታይ ካብዚ ንታሕቲ ብዝተቐመጠ መምርሒ ጨረታ መሰረት ክፍፅም ኣለዎ

1. ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናልን ናይዚ ቤት ዕዮ ማህተም ዝዓረፎ ጥራሕ ተቐባልነት ይህልዎ::

2. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽሞም ፣ ስልኪ ቁፅሮም 1 ፌርመኦምን ክፅሕፉ ከስፍሩ ኣለዎም:: ጨረታ ዝሳተፍ ኣካል ብድርጅት እንተኾይኑ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሕጋዊ ናይቲ ድርጅት ማህተም ክዓርፎ ኣለዎ::

3. ተጫረቲ ሰነዶም ኣብ ናይ ጨረታ ሳፁን ምስኣእተው ሰሪዞም ካሊእ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ኣይኸእሉን::

4. ተጫረቲ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መክበሪ ትሕጃ ስፍሓት መሬት ክራባሕ ብመበገሲ ዋጋ ክራባሕ 20% ክንእስ የብሉን፣ ዝተገለፀ ከምዘሎ ኮይኑ ሓደ ተጫራታይ ንላዕሊ ክገዝእ እንተደልዩ ብሕድ ሕድ ዝዓደጎ ተወሳኪ ሰነድ ጨረታ 1 ሓደ ሰነድ cpo እናወሰከ ክገዝእ ይክእል፡፡ ሓደ ተጫራታይ ልዕሊ ትሸዓተ /9/ ሰነድ ዝገዝእ እንተኮይኑ ንሕድ ሕድ ተወሳኪ ሰነድ ጨረታ 100% እናወሰከ ክገዝእ ይክእል ።

5 ብባንኪ ዝተረጋገፀ cpo ብሽም ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣክሱም መሬት ምሕደራን ኣጠቃቅማን ኣትሒዝኩም ክተትርቡ ይግባእ፡ ከም ኡውን ብክልተን ካብኡ ንላዕልን ንዘትሕዙ ብክልቲኦም ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

6. ተዓዋቲ ጨረታ ድሕሪ ምፍላይ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ቅድመ ክፍሊት ከፊሉ ውዕሊ እንድሕር ዘይኣሲሩ ዘትሐዞ መክበሪ ጨረታ /cpo/ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን፡፡

7. ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ዝሓዙ ብቅደም ሰዓቦም በቲ ቀዳማይ ዝወፀ ዘቀመጦ ዋጋ ክወስዱ ዝክእሉ ምካኖም ሳዓርቲ ጨረታ ተፈልዩ ኣብ ምልክታ ሰሌዳ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ውዕል ብድሌቶም ኣብ ውሽጢ 5 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ማመልከቻ እንተቅሪቦም ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ከይወሰዱ ክፀንሑ ይክእሉ ማመልከቻ ኣእትዮም እንተዘይኣሲሮም ግና እቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ cpo ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን

8. ተጫረቲ ካብቲ ናይ ቦታ መርኣዪ ዝርዝር ኣብ ዝደልይዎ ብምምራፅ ናይ ዝመረፅዎ ቦታ ቁፅሪ ኮድ ፣ ስፍሓት ብሜ ፣ ዋጋ ንሓደ ሜካሬ ንጠቅላላ ዋጋ ክከፍልዎ ዝወሰንዎ መጠን ገንዘብ ፣ ክከፍልዎ ዝወሰንዎ ቅድመ ክፍሊት ብሚኢታዊ 20 ፐርሰንትን ልዕሊኡን ክመልኡ ይግባእ፡፡

9. ዝኮነ ተጫረታይ ዝተሓደሰ ናይ ነባርነት መለለዪ መንነት ፣ ዲጂታል መታወቅያ ወይ ፓስፖርት ኮፒ ጥራሕ ምስ ሰነድ ጨረታን cpoን ከተሓሕዝ ይግባእ: ብውክልና ዝወዳደር ተጫራታይ እውን ናይ ወካላይ ናይ ነባርነት መለለዪ መንነት፣ ዲጂታል መታወቅያ ወይ ፓስፖርት ኮፒ ከተሓሕዝ ኣለዎ:: ናይ ወኪል መታወቅያ ዘተሓሓዘ ግና ካብ ጨረታ ይስረዝ:

10. ናይ ጨረታ መክበሪ cpo ዝቐርቡ ኣብታ ዝጫረቱላ ከተማ ካብ ዝርከቡ ፋይናንሳዊ ትካላት ጥራሕ ክከውን ኣለዎ፡፡

11. መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ደረሰይ ኦርጂናል ብተወዳዳራይ ሽም ዝኮነ ምስ ሰነድ ጨረታ ተተሓሒዙ ክኣቱ ኣለዎ::

12. ተጫራቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ እንትመልኡ መበል ክንደይ ሰነድ ዝገዝኡዎ ምኻኖም ኣብ ሰነድ ጨረታ ናይ ደረሰይ መግዝኢ ቁፅሪ ክመልኡ ኣለዎም:: እዚ ማለት ናይ መጀመርታ ዝተገዝአ ደረሰይ ምስ ናይ 20% ሲፒኦ (cpo) ክተሓሓዝ ኣለዎ ፣ እቲ ካልኣይ ዝተገዝአ ደረሰይ ምስ ናይ 30% ሲፒኦ (cpo) ክተሓሓዝ ኣለዎ ፣ እቲ ሳልሳይ ዝተገዝአ ደረሰይ ምስ ናይ 40% ሲፒኦ (cpo) ክተሓሓዝ ኣለዎ ከምዚ እንዳበለ ከከምቀደም ሰዓቡ ይተሓሓዝ ካብዚ ወፃኢ ዘተሓሓዘ ናይ ጨረታ መግዝኢ ደረሰይ ካብ ጨረታ ይስረዝ::

13. ክልተን ካብ ክልተ ንላዕሊ ንሓደ ፕሎት ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ እንተኮይኖም ናይ ዝተወደብሉ ማሕበር ሕጋዊ መረዳእታ ከትሕዙ ኣለዎም

14. ንመንበሪ ዝተዳለወ ቦታታት ናይ ግልጋሎት ዘመኖም 99 ዓመት መክፈሊ ዘመን ድማ 50 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ::

15. ንድርጅትን ሕውስዋስን ዝተዳለወ ቦታታት ናይ ግልጋሎት ዘመኖም 70 ዓመት መክፈሊ ዘመን ድማ 30 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ::

16. ኣብ ዝባን ፖስታ ሽም ተጫራታይ ፣ ኮድ ናይ ዝጫረትዎ ቦታን ክፀሓፍ ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝባን ፖስታ ሽም ተጫራታይን ኮድ ናይ ዝጫረትዎ ቦታን እንተዘይተፃሒፉ ግና ካብ ውድድር ወፃኢ ይከውን በተወሳኪ ኣብ ዝባን ፖስታን ኣብ ሰነድ ጨረታን ዝፀሓፍ ሹምን ኮድ ቁፅርን ማዕረ ክኾውን ይግባእ ተዘይኮይኑ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን፡፡

17. ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝኾነሉ ኣገባባት-

ሀ. ኣብ ሓደ ፕሎት ሰብኣይን ሰበይትን ነናቶም ሰነድ ገዚኦም ተወዳዲሮም እንተተረኪቦም

ለ. ንሓደ ቦታ ክልተ ናይ ሰነድ ጨረታ ዘቅረበ

ሐ. ንመክበሪ ጨረታ /cpo/ ካብ ዝተጠየቀ መጠን ገንዘብ ንታሕቲ እንተቕሪቡ

መ. መሬት ወሲዱ እንተየልመዐ /ባዶ መሬትን ትሕቲ ፍርቂ ህንፀት ዝተሃነዖን/ ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ሳልሳይ ወገን እንተመሓላሊፉ እንተሸይጡ:

ረ. ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣብ ዝኮነ ዙር ጨረታ ሰዓራይነቱ ተገሊፁ እንተብቅዕ ብዘይምውዕዓሉ ጨረታ ዝተሰረዘ::

ሲ. ቅድም ክብል ኣብ ዝወፁ ምልክታታት ዝኣተውዎ ግዴታ ብዘይምውፀኦም ኣብ ዝተቐፅዐሉ ናይ 2 ዓመት ግዜ ገደብ ክጫረት ዝቐረበ ወይ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝወሰዶ ቦታ ህንፀት ብዘይ ምፍፃመ መሬት ዝተሓደገ እንተኾይኑ

ሸ. ሓደ ናይ ሰነድ ጨረታ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ጨረታ ቦታ ዘቕረበ እንተኾይኑ ኣብዚ ካብ ሀ ክሳብ ሸ ዝተገለፁ ሓዲኦም ዝፈፀመ ካብ ከይዲ ጨረታ ብምስራዝ ዘትሐዞ መኸበሪ ጨረታ /cpo/ ኣታዊ ብምግባርን መረዳእትኡ ኣግባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ክቕመጥ ይግበር።

መተሓሳሰቢ

• ኣቀማምጣ ሰነድ ዝምልከት cpo ፣ ሰነድ መግዝኢ ደረሰይ ፣ ናይ ጨረታ ሰነድ መታወቅያ ቀደም ሰዓብ ብስቴፕለር ተተሓሒዙ ኣብ ፖስታ ክዕሽግ ኣለዎ

ውፅኢት ጨረታ ዘይተለጠፈ ሰዓራይ እየ ምባል ብቤት ፅሕፈትና ተቀባልነት የብሉን ሰዓራይ ዝፍለጥ ውፂኢት ጨረታ ምስ ተለጠፈ እዩ::

ከይዲ ስራሕ ምሕደራን ኣጠቃቅማን ትሕዝቶ መሬት ከተማ