⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
• ተጫረቲ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቁፅሪ (TIN)ን ናይ ስራሕ ልምዲ መረዳእታን ከቕርቡ ዝግበኦም ኮይኑ፣ መስርሒ ቦታ፣ ማይን መብራህቲን ብትካል ዝሽፈን እዩ።
• ኣብ ዝቐርብ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑን ናብ ውሽጢ ግቢ ኣልኮላዊ መስተ ሒዝካ ምእታው ይኹን ምሻጥ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተከለከለ እዩ።
• ምዝገባ ካብ ዕለት 25-30/12/2018 ዓ.ም ዝካየድ ኮይኑ፤ ጨረታ ብዕለት 30/12/2018 ዓ.ም ሰዓት 6፡00 ተዓፅዩ፣ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።
ምልክታ ጨረታ ግልጋሎት ካፍቴሪያ/ ክበብ
መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ፣ ኣብ መቐለ ካምፓስ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጥቓ ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፣ ናይ መምህራንን ስራሕተኛታትን ግልጋሎት ካፍቴሪያ/ ክበብ፣ ፍትሓዊ ዋጋን ክሰርሑ ንዝደልዩ ኣጫሪቱ ብኮንትራት ክህብ ይደሊ። ትካልና፣ ንመምህራንን ስራሕተኛታቱን ምእንታን ግልጋሎት ካፍቴሪያ ብዕሬትን ፍትሓዊ ዋጋን ክቐርበሉ፣ ናይ መስርሒ ቦታ፣ ኤሌክትሪክን ማይ ቡንቧን ወፃኢ ባዕሉ ትካልና ይሽፍን ኮይኑ ተጫረቲ ነዞም ዝስዕቡ መሰረታዊ ምግብታት፣ ልስሉስን ውዑይን መስተታት ብፅሬትን ብዝግባእ መጠንን ሰሪሑ ንተጠቀምቲ ከቕርብ ዝሓቶ ዋጋ ብንፁር ንከቕምጥ ዝርዝር ዓይነታት ጠለብ ዝሓዘ ሰነድ ክወስዱ ይፅውዕ።
ብተጫራታይ ዘድልዩ ቅድመ ኩነት
ተጫራቲ ቅድሚ ሐዚ ይሰርሐሉ ዝነበሩን ሐዚ ዝሰርሐሉ ትካል እንተሃልዩ መረዳእታ ይቀርብ ።
ተጫራቲ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዪ ቁፅርን ከማልኡ ይግባእ
ብመጫረቲ ዝቐርቡ ቅድመ ኩነት
• ማይ ፣መብራህቲን መስርሒ ቦታን
ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ
እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ማለት ካብ ዕለት 25-30/12/2018 ምዝገባ ይካየድ።
ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/12/2018 ስዓት 6፡00 እዩ።
ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 30/12/2018 ሰዓት 9፡00 ተጫራቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ብዘለዉሉ እዩ።
ኣብ ዝቐርብ ዋጋ ግልጋሎት ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ተቐባልነት የብሉን።
ካብቶም ዝተዘርዘሩ ቀረባት ተወሳኺ እንተሃልዩ ተጫራታይ ብዓይነትን ዋጋን መሊኡ የቕርብ። ኣልኮላዊ መስተ ናብ ግቢ ሒዝካ ምእታው ይኹን ምሻጥ ኣይፍቀድን።
እቲ ትካል ነዚ ጨረታ መዋፅኢ ኮይኑ እንተዘይረኺብዎ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ