ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

ምልክታ ጨረታ

ማእኸል ቤት ህንፀት ዓዲግራትን ደጋፍ ኸይዲ ስራሕ ደጋፍ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ናይ ተሓነፅቲ ምግቢ ዘቕርብ ብሱርዓት ሕጋውያን ነጋዶ ማለት ውን መቕረብቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ካብ 1 መስከረም 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር ስራሕ ዝጀምርን ንሓደ ዓመት ሕጋዊ ውዕል ኣሲሩ ንሕጊ ተሓነፅቲ ምግቢ ክምግብ ስለዝደለየ፣ ኣብዚ ዘወፅኦ ግልፂ ጨረታ ክትጫረቱ እትደልዩ ነጋዶ ውን ክትወዳደሩ ብኽብሪ ዕድም።

መቕረብቲ ወይ ውን ተወዳደርቲ ቀዳምነት ክማልኡ ወዝግባኦ ዶክመንት፡

  1. ናይ 2018 ዓ.ም ወይ ናይ 2019 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ፣ ናይ ግዚኡ ሓዲሳት ዘገለፅ፣ ናይ ዝመልከቶ ዘቕርብ።
  2. ናይ 2018 ዓ.ም ወይ ናይ 2019 ዓ.ም ናይ መቕረባይነት ወረቐት ምስክር ናይ ግዚኡ ዝተሓደሰን ናይ ዝመልከቶ ዘቕርብ።
  3. ቲን ናምበር (TIN Number) መለለዪ ቑፅሪ ከፋላይ ግብርን፣ ተጨማሪ እሴት ታክስን (VAT) ዝተመዝገበሉ ወረቐት ምስክር ዘቕርቡን።
  4. ናይ ወርሒ ግንቦትን ልዕሊኡን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሪፖርት ወይ ውን ዲክላረሽን ኣታዊ ዝገበረሉ ክቕርብ ዝኽእል::
  5. ካብ ተራ ቑፅሪ 1 ክሳብ 4 ዝተገለፁ ንዘይመለስ ቅዳሕ ምስ ዋና ዝተገናዘበ ንዝተዓሸገ ፖስታ ተተሓሒዙ ክቕርብ አለዎም።
  6. መኽበሪ ጫረታ ቅድሚ ጫረታ ምኽፋቱ ኣቐዲሙ ክትሕዞ ዝግባእ ብዝፈለጥ ባንክ ዝተረጋገፀ CPO ብጥሬ ገንዘብ ብናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንክ 30,000 (ሰላሳ ሽሕ) ቕርሺ።
  7. መወዳደሪ መረዳእታ ሰርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ መስሪያ ቤትና ዘዳለዎ ሰነድ ጫረታ መልኦ ክቕርብ ዝኽእል::
  8. ተጫረቲ ዘይመለስ 200 (ክልተ ሚኢቲ) ቕርሺ ብምኽፋል ዘርዝር መምርሒ ሰነድ ጫረታ ዝሓዘመ ካብ ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም ንተኸታታሊ ጊዜ እናመፃእኹም ካብ ማእኸል ቤት ፅንፈት ዓዲግራት ደጋፍ ኸይዲ ስራሕ ደጋፍ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 9 ብሙሳድ ዝተመ መልኦ ብፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ተወሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጫረታ እናመፃእኹም መወዳደሪ ፖስታኹም መእታው ዝካል ምዃኑ።
  9. ሳንዱቕ ጫረታ ዝዓፅኦሉ 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ይኸውን።
  10. ሳንዱቕ ጫረታ ዝኸፈተሉ 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም ሰዓት 4:10 ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ማእኸል ቤት ፅንፈት ዓዲግራት ደጋፍ ኸይዲ ስራሕ ደጋፍ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 9 በዓሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኸፈት ኮይኑ፣ እንተ ዘይተረኺቦም ውን ኸይዲ ጫረታ ኸይተኣጓጎለ ዝተረኸበ ፖስታ ኾነ ሳንዱቕ ጫረታ ተኸፊቱ ሕጋውነቱ ዝርአ ይኸውን።
  11. ንውዕሊ መኽበሪ ካብ ዘለው በዝሒ ተሓነፅቲ ድምር ናይ ሓደ ወርሒ ጠቕላላ ገንዘብ 10% ሒዙ ውዕሊ ዝኣስር ክክኸውን ኣለዎም።
  12. ንሓደ ናይ ሕግቲ ተሓናፂ ንመዓልቲ 98.10 (ተስዓን ሾሞንተን ነጥቢ ዓሰርተ) ሳንቲም ምስ ተጨማሪ እሴት ታክሱ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎም።
  13. ኣብዚ ጫረታ ተወዳዲሩ ተዓዋታይ ዝኾነ ነጋዳይ፣ ስዓራይ ካብ ዝተፈለጥሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕል ክኣስር ኣለዎ።
  14. መስሪያ ቤትና/ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጫረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይምስራዝ መበሉ ዝተሓለወ እዩ።

ዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ:

  • 034 445 0953
  • 0972 164 349
  • 0928 937 677

ደዊልኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ ምዃንኮም ንሓብር።

ማእኸል ቤት ህንፀት ዓዲግራት፣ ትግራይ