ማእከል ቤት ህንፀት ውቕሮ

1 ብናይ ሆቴል ማናጀመንት ማለት አዉን ቤት ቁርሲ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2018 ዓም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ናይ 2018 ዓም ዘሐደሰን

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎምን ተወሳ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

3 ወርሓዊ ናይ ሒሳብ ዘወራረድሉ ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓም ከቅርብ ዝክእል

4 ልዕሊ 60 ሚእታዊ ኣካል ጉዱኡ ዝኮንኩም ማሕበራት ወርሓዊ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ መረዳእታ ከምዘይትቅርቡን ካብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ነፃ ምካንኩም ካብ ዝምልከቶ ኣካል ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ወርሓዊ መረዳእታ ክተቅርቡ እንተኮይንኩም ድማ ናይቲ ዝተገለፀ ወርሓዊ ተወሳኪ እሴት ታክስ ክተቅርቡ እትክእሉን

6 ልዕል ክብል ዝተዘርዘሩ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

7 መከበሪ ጨረታ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ማለት ስፒኦ ብጥር ገንዝብ ወይድማ 30000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

8 ንሐደ ተሃናፂ ማዓልታዊ ባጀት ምስተወሳኪ እሴት ታክስ 98 ቅርሺን 10 ሳንቲምን ኮይኑ ኣብ ወርሒ ድማ 2043 ጥራይ ይከዉን

9 ጨረታ ሳዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል በቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን

10 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ናይ ጨረታ ዝገልፅ ካብ 11/10/2018 ዓም ክሳብ 26/10/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 830 ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 4 ክወስዱ ይክእሉ

11 እቲ ጨረታ 26/10/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት

12 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ካብ ጠቅላላ ናይ ወርሒ ዝከፈሎ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቅርብዎ አገልግሎት ምግቢ ዝከፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10 ሺሕ ብር እንተኮይኑ 3 ሚእታዊ ዊዝሆልድ ታክሲ ይከፈል

13 ናይ ማይን መብራህቲን ክፍሊት በቲ ቤት ዕዩ ዝሽፈን ኮይኑ ዝተረፈ ኩሉ ሰራሕተኛታት ይኩን ካልኦት ወፃኢታት በዓሉ ይሽፍን

14 ንምግብና ዘገልግሉ መሳርሒታት ማለት አዉን ናዉቲ ናይ ቢሮ ዝኮኑ ንብረት እንተሃለዩም ንሰለሰተ ወርሒ ብናፃ ይጥቀም ድሕሪ ሰለሰተ ወርሒ ግና ብካራይ መልክዕ ክጥቀም ይክእል

15 እቲ ዝምላእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ኣብ ፅሬት ግራምን ምዉሳክ ዝክኣል ኮይኑ ኣብ በጀት ወይድማ ቅርሺ ምንካይ ኣይከኣልን

16 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ እዩ

17 ቤት ህንፀትና እቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ