1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎን ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደብረት ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ ግብረለ ከፈላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
4ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
6 ሰነድ ጨረታ እዚ ጨረታ ብመራከቢ ሓፋሽ ካበ ዝተጋወሐሉ ክሳብ ዕለት 18/10/2018 ዓም ካብ ሰዓት 2:30 ጀሚሩ ክሳብ 11:30 ኣብ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ከይዲ ስራሕ ትልሚ ዕድጋ ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 12 ዘይመለስ ብር 3000 ብር እነዳከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ
7 ጨረታ ዕለት 19/10/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፀዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዝተረከብሉ ይከፈት
8 እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማሊኡ እንተተረኪቡ በዘይለዉሉን ምክፋት ዝዓግት ነገር የለን
10 መክበሪ ጨረታ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ 25000 : ንፅሕፈት መሳርሒ 20000 ቅርሺ : ንናይ ገዛ ናዉቲ 15000 ቅርሺ : ንናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት 25000 ቅርሺ : ንናይ ሕትመት ናዉቲ 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ብስፒኦ ጥራሕ የትሕዝ
11 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ክከዉን ይግባእ እንተኮይኑ ድማ አብ መወዳደሪ ዋጋ ናይ ባዕሎም ወይ ወኪል ፊርማ ማህትምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ድማ ማሀተም ትካሎም ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ እዚ ዘይገብር ተወዳደሪ ግን ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከዉን ክፍልጥ አለዎ
12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እንተናአሰ ን8 መዓልቲ ዝፀንዓ ይከዉን
13 ትካልና እዚ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
14 ሰዓራይ ጨረታ ኣብ ዉሽጢ 7 ተከታታሊ መዓልቲታት ከምዘቅርብ ሓሲቡ ክወዳደር ይግባእ